SlideShare una empresa de Scribd logo
1 de 46
1/23/2023
1
መስፍን ሓፂነ መፂንን ኢንጅነሪንግን
ኮርፖሬሽን
ስትራተጂክ ጥሙር ፓኬጅ ስልጠና
1/23/2023
2
Slides ዝቐርብ ሰዓት
Slides 3-31 ትልምን ተዛመድትን ጉዳያት 2:00-4:30
ዕረፍቲ ሻሂ 4:30-5:00
Slides 32-46 ስትራተጂክታት ትንተና 5:00-6:00
Group
discussion
-------- 6:00-7:30
መራሕቲ ጉጅለ 7:30-8:30
Out lines
1/23/2023
3
መእተዊ
ትካልና ሓፂነ መፂን መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ ኣብ ትግራይ ንዝሳለጥ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ዕዙዝ እጃም
እናወፈየ ዝርከብ ትካል እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወራር ፋሽስታውያን ንዝሓለፈ
ሰለስተ ዓመታት ናይ ምፍራይ ዓቅምና እንዳቐነሰ ብምምፃእ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጠጠው ክብል ተገዲዱ እዩ። ኣብ
ኣደላልዋ ትልምን ኩነታት ዳህሳስ ኣካይድኻ ስትራተጂክ ከመይ ከም ዝቅረፅ ኣብ ትካልና ዝተሓተ ግንዛበ/ርድኢት
ጉዳይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓደ ተመሳሳሊ ርድኢት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ ኣደላልዋ ትልም ኩሉ ዝምልከቶ
ኣካል በቢዝመሰሎ እንዳሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ እቶም ዓንድታት/ስትራተጂክ ትልሚ ዘሎ
ምትእስሳርን ምድግጋፍን’ውን ንፁርን ዝተጠናኸረን ግንዛበ ዘይምህላዉ ተዳልዮም ኣብ ዝመፁ ሰነዳት ትልምን
ፀብፃብን ምርዳእ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚኣቶምን ካልኦት ሓገዝቲ መብርህታት ብምክታት ኣብ ምድላው ትልሚ
ዝረኣዩ ፀገማት ንምቅላል ዘድሊ ዝተማልኣ መስርሕ ኣመሓይሽካ ምድላውን ምትግባርን ኣድላይ ምዃኑ ተኣሚንሉ
ኣሎ፡፡
1/23/2023
4
ዕላማ ፡-
 ትልምን ትሕዝቶ ትልሚ ኣደላልዋ ምንፃር
 5ተ ስትራተጂ ዓንድታትን ካልኦት ፅንስ-ሓሳባትን ብምትንታን ርዲኢት ምዕባይ
 5ተ ስትራተጂ ዓንድታትን መሰረታዊ ትሕዝትኦም ብኣግባብ ብምትንታን ዓበይቲ ሓበርቲ
ፍፃመታት ምንፃር
1/23/2023
5
 ራእይ (Vision)
አብ ሎሚ ኮይንካ ስለ መፃኢ ዉፅኢትን ፍፃመን ብዓይነ ሕሊናኻ ምስኣል ማለት እዩ ። ነቲ ብዓይነ
ሕልና ዝስኣልካዮ ዝተፈፀመ ዓብይ ስእሊ ኮይኑ ስርዓት ብዝለዎን ንኻልኣት ብዝነቓቅሕ፣ ዘለዓዕል
መልክዕን ከይዲ ምንቅስቓስ ናይቲ ትካል ከም ኣንፈት ሓበሪ፤ ክብርታቱን ቐልቢ ሰራሕተኛን ሰላቢ
ኮይኑ ከም ዘገልግል ገይርካ ቅልል ብዝበልን ብዝሓፀረን ግን ድማ አብ ዉሽጡ ብሓፂር ቃላት በዙሕ
ትርጉም ክሕልፍ ብዝኽእል መንገዲ ገይርካ ምቅራፅ። ትካል ብናይ ከባቢያዊ ተፅዕኖ ልእኹ
ንምምሕያሽ ወይ ንምቅያር እንትግደደ ራእይ ግን ነዚ ለውጢ ተፃዊሩ ናብ ናይ መወዳእታ ዉፅኢት
ዘርኢ ባህጊ እዩ ።
1/23/2023
6
እዚ ማለት ባህጊ ኣብ ግዜ ቀውሲ ዓቕሚ ዝፈጥር ፤ ኣብ ግዘ ሓመድ ምልሓስ ዝኹላዕ ናብ ሙሉእነት ዝውስድ
ናይ ለውጢ ኣንፈት እዩ።
ባህጊ ኣብ ምህናፅ ብሄራዊ መንነት እውን ከም ቀንዲ ዓንዲ ተገይሩ ይውሰድ እዩ። o’Nail (2007)
ራእይ ከከም ናይቲ ትካል ባህጊ ብግዘን ግንዛበ ኩነታትን ዝግለፅ እዩ።
ህልውና/ጥቅሚ ራእይ
 ንዝተፈላላዩ ባህግታት ዓንዲ ኮይኑ የገልግል
 ንስራሕ ከም መለዓዓሊን መነቃቅሕን ኮይኑ የገልግል
 ኣተሓሳሳባን ሓበራዊ ርድኢት ፈጢርካ ኣብ ምኻድ ይሕግዝ
 ፍሉይነት ዘለዎን ተወዳዳሪ ናይ ምኻንን መንፈስ ፈጢሩ ውሽጣዊ ጥንካረ ዝጥቀም ሓፂርን ነዊሕን
ሓሳባዊ ጉዕዞ ናብ ተግባር ንምቅያር ዝህንጠ ምኻኑ
 ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ተፃዊሩ ባህግታቱ ዘኾልዕ መንፈስ ዝፈጥር
1/23/2023
7
•ልኡኽ (Mission)
ራእይ ማለት መሰረት ናይ ሓደ ትካል ልኡኽ እዩ። ልእኽ ብኣንፃሩ ድማ እዚ ራእይ ኣሻጊሩ ዝረኣዮ ንትካልን
ሕብረተሰብን መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎ ሓሳባዊ ዝተጠናቐቐ ውፅኢት ካብ ሓሳባዊ ምኻኑ ሓሊፉ ናብ
ተግባር ቀይሩ ክረአ ዝገብር ብኸመይ፤እንታይን ንምንታይን ይትግበር ዝብሉ ፅንሰ ሓሳባት ናብ
ተግባር ንምሽራፍ ዝክእል ዓበይቲ መማረፂ ኣካይዳታት ሕፅር ብዝበለን ሽቶታትን ስትራተጅታትን
ኣብ ምምዕባል/ምርቃቅ ብዝሕግዝ መልክዕ ዝግለፅ እዩ።
ህልውና/ጥቅሚ ልእኽ
 ኣብ ናይ ትካል ዕላማ ሓበራዊ ርድኢት ክህሉ ይገብር
 ሽቶን ስትራተጂ ትልምታት ኣብ ምንዳፍ (formulating)ዓብይ ሓገዝን ግንዛበን ይፈጥር
1/23/2023
8
ይኹን ደኣ እምበር ናይ ትካልና ኣመራርሓ እዚ ትካል ዝተጣየሸሉ ልኡኽን ዕላማን ብዝግባእ
ተንቲኑን ተረዲኡን ስትራተጂ ብምቕራፅ ክመርሕ ዘኽእል ናይ ስትራተጂካዊ መሪሕነት
ድልዉነትን ዓቕሚን ምንኣስን ዝተርኣየ ምኻኑ እሙን እዩ፡፡ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘመን ትካልና
ብትኽክል ልኡኹ እንታይ እዩ ኢሉ ነዚ ልኡኽ ብኸመይ እዩ ዝፍፀም ዝብል ሓበራዊ ዝኾነ ግልፂ
ምርድዳእ ዝፈጠረ ኣይነበረነን፡፡ ኣብ ልኡኹ ግልፂ ምርድዳእ ብዘይ ምፍጣሩ ድማ መብዛሕቲኦም
ስራሕቲ ዝዕመሙ ብኣጋጣምን ብዝርጉፉን ብምኻኑ እቲ ተፈጢሩ ዝበሃል ዓቕሚ እዉን እንትኾነ
ዝርግፉን ዒላምኡ ዘይወቅዕን ክኸዉን ገይርዎ እዩ፡፡
ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ናይ ትካልና ልእኽ ብዝርዝር ሕድ ሕድ ፅንስ ሓሳብ ከምዚ
ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።
1/23/2023
9
″ኣብ ምርምርን ፅንዓትን ዝተመስረተ ናይ ሕብረተሰብ ማሕንቆታት ዝፈትሕ″ ማለት
ኣብ መስፍን ሱር ነቐል ዝኾነ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝግበሩ ናይ ለዉጢ ፕሮግራማት ብልቢ ኣሚኑ
ዝስለፍን ብሓቦ ሓቂ ተተርኢሱ ዝመርሕን ንትካል ረብሓ ቐዳምነት ሂቡ ዝሰርዕን ኣመራርሓ
ብምህናፅ ውሽጣዊ ጥንካረታትናን ዓቅምናን ብኣግባቡ ብምውዳድ ብዕምቆት ምትንታንን
ብምፍላጥን ካብ ንዋታዊ ሃፍቲ ናይ ኣእምሮ ሃፍቲ/ፍልጠት ዓምዲ ገይሩ ዘድሃበ ናይ ኣተሓሳስባ
ለውጥን ውዳበን ብምግባር ኣብ ሕ/ሰብ ቁልፊ ማሕኖቆታት ዝኾኑ ዛዕባታት ከም ቁልፊ መደብ
ወሲዱ ኣብ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ምህዞን ምርምርን ዓርሰ ሞርኮሰ ብምድራኽ ምስራሕ እዩ።
″ኩሎም ፀጋታትና/ዕድላት ዘልምዕን ዝጥቀምን″ ማለት
ትግራይ ኣብ ዝተፋላለዩ ናይ ታሪክ ምዕራፋት ተፃብኦታት እናገጠምዋን እናሰገረትን ኣብ እንርከበሉ
ህልዊ ኩነታት ማለት እዉን ብሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ብዓባያ ሃገር ዝነበረት ነገር ግን ብውሽጣዊ
ተቃርኖታት ተቐርሚዳ ትነብር ኣላ፡፡ ስለዚ ነዚ ኩነት ታሪክ ንምግባር ትግራይ ተፈጥሮኣዊን
ታሪኻዊን ፀጋታት ናብ ረብሓ ዝቐየረት፣ መሰረታዉ ናይ ኢንዳስትርታት መወዳደሪ ረቃሒታት
ብዓረሰ ምርኮሳ ዝመለሰት ከምኡ እዉን ኣብ ናይ ቐርኒ ኣፍሪካ ዕዳጋ ተዋዳዲሩ ተመራፃይ ዝኾነ
ፍርያትን ግልጋሎትን ዝወነነ ምግባር እዩ፡፡
1/23/2023
10
″ሃፍቲ ዘራብሕን ናይ ልምዓት ሓይሊታት ዘዕስልን ዝድግፍን″ማለት
ትካልና ምስ ናይ ምርምር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጠንካራ ምትእስሳር ብምፍጣር ናይ ምርምርን
መፅናዕትን፤ናይ ዝተፈላለዩ ዘፈር ስራሕ እታወታት ቴክኖሎጂ ምቅዳሕን ምምሕያሸን ስራሕ
ብምስራሕ ኣብ ምህርቲ ምስሳንን ብዘምፅኦ ለውጢ ንስግግር ቴክኖሎጂ በሪ ኸፋቲ ብምኻኑ ኣብ ናይ
ልምዓት ሓይልታት ምስላፍ ግደ እንትህልዎ በዚ ኣቢሉ ኣብ ናይ ሃገርና ልምዓት ተደማሪ ዓቅሚ
ብምኻን እጃምና ምፅዋት ዘኽእል እዩ።
”ቅልጡፍን ቐፃላይን ምዕባለ ዘረጋግፅ ምዃን”ማለት
ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዕዳጋ ብቐፃልነትን ብብቅዓትን ዝወዳደር፤ኣብ ዘየቃርፅ ናይ ምምሕያሽን ዕብየትን
ጉዕዞ ዝኣተወ ኣብ ናይ መንግስቲ ልምዓት ተወሳኺ ዓቅሚ ኮይኑ ብሉፅነትን ምዕባለን ትግራይ
ዝኹስኩስን ናብ ሃገራዊ ሓይሊ ዝቕይር ከይዲ ፤ ዝተውሃሃደን ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ማሕበረ ሰባዊ
፤ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂ ልምዓት፤ንዕብየት ደቂ-ሰባት ምብርካት ዓቕምታት ምብራኽ ዝፈጥር ህዝባዊ
ልምዓታዊ ትካል ምግባር እዩ።
1/23/2023
11
ሓበራዊ ክብርታት (Core Values)
ክብሪታት ማለት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ መግለፂ መንነት እዩ።እዚ መንነት ድማ ናብ ናይ ውልቀን ትካልን ስራሕ ከም
ባህሊ ኣታኣሳሲርካ ከመይ ከም እትሰርሕን ዝሕብር እዩ። ኣብዚ “ባህሊ ማለት ወዲ ሰብ ከም አካል ማሕበረሰብ
ብዓቅሚን ልማድን እቲ ማሕበረሰብ ዝቀሰሞ/ዝተምሃሮ ፍልጠት፤እምነት፣ ጥበብ ፣ሕጊን ልምዲ ካልኦትን
ዝተሓላለኸ ምሉእ ስርዓት ዘካተተ እዩ” ። ስለዚ ናብ መንነትና ተመሊስና ክብርታትና ብምልላይ ምስ ኣህጉራዊን
ዓለምለኻዊን ምዕባለታት ብምፅማር ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ክብርታትና ከም ሕላገትና ብምውሳድ ኣብ ስራሕትና ዝላ
ምምፃእ እዩ። ከም ተጋሩ ቅድሚ 3 ሽሕ ዓመታት ዝነበሩ ሕዚ እውን ዝቅፅሉ ንመፃኢ እውን ከም መፍለይ መንነትና
ዝኾኑ ክብርታትና ብዕቱብ ምጥቃም።
ትካል ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ኣለዎ ምክንያቱም ኣብ ትካል ዝተኣኻኸቡ ሓይሊታት ትርጉም ዘለዎ ዓቅሚ ይፈጥር
።በዚ መሰረት ትካል ባህላዊ ክብርታት የቐፅል፣ ባህላዊ ክብርታት ሃገራዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይገብር፣ እቶም ክብርታት
ከይሽርሸሩ ይከላኸል። ትካል ሓድሽ ባህላዊ ክብርታት ይፈጥር። ትካል ናይ ማሕበረ-ሰብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን
ማሕበረ-ሰባውን መስተጋብር ዝቓንዩ ናይ ፀወታ ሕግታት የቐምጥ።
ክብርታትና ብምጥቃም ራእይን ልኡክን ተግባራዊ ንምግባር ስራሕትታትና ኣብ እንፍፅመሉ እዋን
እንታይ ዓይነት ዉልቃዉን ትካላዊን ባህሊ ስነ ምግባርን ባህርታትን እንኽተል ወዘተ ዝበሉ ናይ
ሓደ ትካል መሰረታዊ ባህሊ ዝግለፀሉ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ትካል ዝተጣየሸሉ ዋና ዕላማ ብኸመይ
ከም ዝፍፅምን ኣብዙይ ከይዲ እዙይ ዋጋ ክወሃቦም ዝግበኦም ክብርታት ድማ እዞም ዝስዕቡ
ዘካተተ እዩ።
1/23/2023
13
1. ትሕዝቶ ትልሚ
1.1 መእተዊ
1.2 ትልሚ፤ልኡኽ፣ራእይ፣ክብርታት፤ ዕላማንሽቶን
• ትልሚ
ትልሚ ናይ ሓደ ትካል ማለት እቲ ትካል ባህጉ/ድልየታቱ ወይ ሕሉፍ ኣፈፃፅምኡ ገምጊሙ ንዝትረኸቡ
ጥንካረ፤ድኽመት ከምኡ እውን ወድዓዊ ዕድላትን ስግኣትን ብምትንታን ንቀፃሊ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንክህልው
እንርእየሉ መነፀር እዩ። ብተወሳኺ ትልሚ ንቐፃሊ ዝፈፀም ካብ ፅንስ-ሓሳብ ናብ ንድፊ-ሓሳባዊ ብምቅያር ኣብ
ሎሚ ኮይንካ ኩነታት እቲ ዝፍፀም መጠን ፣መዓዝ፣ ፈፃሚ፤ብከመይን ካልኦትን ዝብሉ ንምፍፃም ወዘተ ዝብሉ
ዉሳነታት ስልታዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝውሰነሉን ነቲ ቀፃሊ ጉዕዞ መልክዕ ክሕዝን ኣንፈቱ ክንፀርን ዝገብር መሳርሒ
እዩ።
ብኻሊእ መዳይ መብዛሒትኦም ኣመራርሓ ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣብ ቁፅሪ ኣድሂቦም ኣፈፃፅማ ትልሚ ንምምዛን ወይ
ንምዕቃን ከም ዝፅዕሩ ጌሮም ብጌጋ ዝግንዘቡ ኣለዉ።ኮይኑ ግና እዚ ሓደ ኣካል /ምናልባት እውን እቲ ዝተሓተ
ጥቅሚ ዘለዎ /ናይቲ ሓፈሻዊ ከይዲ(ልምዓት ሓይሊ ሰብን ስግግር ቴክኖሎጂን) እዩ።
1/23/2023
14
 ኣድላይነት ትልሚ
ምትላም ማለት ንሕድሕድ ጉጅለን ውልቐ ሰራሕተኛን ዕላማታት መምርሕታት ኮርፖሬትን ኢንዳስትርን ንምዕዋት
ዘኽእልዎ ትፅቢት ዝግበረሎም ሽቶታት ነፂርኻ ምቅማጥ ማለት እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ዝህልዎ
ረብሓ ድማ ከም ዝስዕብ ይቐርብ፦
 ትካል ንቕድሚት ክፍፅምም ብዛዕባ ዝሓሰቦም ፅንስ ሓሳባት ናብ ተግባር ዝቅይረሉ መስርሕ እዩ።
 ዉስን ሃፍቲ ትካል ብዝተዋደደ (Optimization)ብምጥቃም ንውሳነ ብዝሕግዝ መልክዑ ሰኒዱ የቅርብ።
 ኣብ መዓልታዊ፤ሰሙናዊን ወርሓዊን ፍፃመታት ከም ዋና ኣንፈት ሓበሪ ብምዃን ኩሉ ሰራሕተኛ ዝሰርሖ
ስራሕ ትካል ክዓሞ ንዝሓዞ ትልሚ ዝድግፍን ንፍፃመ ሸቶ ዘቀላጥፍን ምኻኑ ንምርግጋፅ ይሕግዝ።
 ኣብ መንጎ ኮርፖሬት መምርሕታት፤ ኢንዳስትር፤ ኮርፖሬት መምርሕታትን ኢንዳስትርን ናይ ስራሕ ምትእስሳር
ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ብልምዓት ጉጅለ ኣቢሉ ሓበራዊ ስራሕቲ ይስርሑ ።
 ትልሚ ናይ ሎሚ ሓደሽቲ ዕድላትን ፀጋታትን ተጠቂሙ ንፅባሕ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምምችቻው ይሕግዝ።
 ንትካል መዋቅራዊ መሓውር ከም መሰረት ኮይኑ የገልግል
1/23/2023
15
 ዓይነታት ትልሚ
ትልሚ ዝብል ቃል ኣብ ዉሽጡ ብዙሓት ዝተፈላላዩ ዓይነታት ተግባራት ዝሓዘ ስፊሕ ቃል እዩ ። ትልሚ ብስልታዊ ብርኪ ፣ ብናይ
ተግባር ብርኪ ፣ ብፕሮጀክት ብርኪ፣ ብትካል ወዘተ ምትላም ይከኣል እዩ ።
እቶም ቀንዲ ዓይነታት ትልሚ ግና
 ስልታዊ ትልሚን (Strategic plan)
 ናይ ተግባር ትልሚን (Action plan) እዮም
ስልታዊ ትልሚ
ስልቲ ምስ ትልሚ ኣተሓሒዝና ንምርኣይ ሓደ ትካል/ዉልቀ ሰብ/ ሃገር ወዘተ ንዘለዉዎም ብድሆታት ወይ ድማ ክፍፅም
ንዘሓሰብዎም ስራሕቲ ንምሽናፍ/ንምፍፃም ዝሕግዙ ነቲ ፍፃመ ተግባራዊ ንምግባር ወይ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ዝተፀንዑን
ብስርዓት ዝተዋደዱን ናይ ኣፈፃፅማ ኣንፈታት፣ከይዲ ኣፈፃፅማን ወዘተ ዘካተተ ሜላ ማለት እዩ። ስልታዊ ትልሚ ትካል ናበይ ከም
ዝኸይድ ሓባሪ መስርሕ አዩ።
ስለዚ ስልታዊ ትልሚ ማለት ሓደ ትካል ንዘለዎዉዎ ናይ ነዊሕን ማእኸላይን እዋናት ሸቶታት ተግባራዊ ንምግባር ብኸመይ ዝበለ
አከያይዳ እንተኸድኩ እየ ፀገመይ ዝፈትሕ ወይ ድማ አብ ዝተለምክዎ ብርኪ ዝበፅሕ ኢሉ ዝኽተሎ ኣከይዳ ስርዓት ብዘለዎን
ብዝተዋዳዳን ብዝተነፃረን ከምኡ ድማ እዋናዉን ናይ መፃኢን ኩነታት አብ ግምት ዉሽጢ ብዘእተወን ናይ ዉሽጢ ጥንካረን
ድኽመትን፣ ደጋዊ ዕድላትን ስግኣታትን ብዝፈትሽ መንገዲ ኣንፈት ኣፈፃፅማን ዝሕንፀፀሉን ከይዲ እዩ። ብኻሊእ መዳይ ስልታዊ
ትልሚ ቀንዲ ትኹረቱ ናይ ትካል ራእይ ፣ልኡኸን መሰረታዊ ዕላማታት (ሽቶታት) ዝፍሙሉ ስልቲ ምሕንፃፅ እዩ ።
1/23/2023
16
ፕሮዳክሽን ትልሚ (Production Plan)
ትልሚ ናይ ትካል መስረታዊ ትኹረታትን ቅድሚያ ዝዉሃቦም ዛዕባታትን ኣብ ሽቶን ዕላማን ትካል ኣጉሊሁ ብምዉፃእ
ንኣፈፃፅማ ዕላዊ ንምግባር ናብ ምህርቲ መምርሒ/ክፍሊ በቢብርኩ እስካዕ ሾፕ ፍሉር ብምውራድ ከከም ናይ ስራሕ ባህሪ
ብጥማር(Batch) ወይ ነፀላ ዝስርሑ ስራሕቲ ብምንፃርን ነዚ ዘድልዩ እታወታት በቲ ናይቲ ምህርቲ ክፍሊ ዓቅሚ ተመጢኑ
ብዝፍፀመሉ ክፍለ ግዜ ተሸንሺኑ (ናይ ዓመት ፃኒሕት እዋን)ብምቅራብ ዝስራሕ እዩ።
መዓልታዊ ፍርያት መከታተሊ ቅጥዒ- Master Production Schedule (MPS)
እዚ ትልሚ ካብ ፕሮዳክሽን ትልሚ ዝፈሪ ምህርቲ ብበዝሕን ዓይነትን ኣለሊኻ ብምውፃእ በቢመዓልቱ ተሸንሺኑ ዝቐርበሉ
ዓይነት ትልሚ እዩ። ኣብዚ ትልሚ (MPS) ከም እታወታት ዝጥቀመሎም መሸጣ ትእዛዝ(sales order)፤ቐረብ ጥረ ኣቅሑን
ማሽናትን ምስ ህልዊ ኩነታት ብምውዳድ ዝስራሕ ዝርዝር ስራሕ እዩ።
ኣድለይቲ እታወታት-Material Requirement Planning (MRP)
ኣጠቃቅማ እታወታት ከም ትልሚ ዝዳለው ንፕሮዳክሽን ኣፈፃፅማ ትልሚ ሓጋዚ ኮይኑ ዝቐርብ እዩ። እዚ ድማ ኣብ
ምህርቲ/ግልጋሎት እዋን እታወታት ዝኾኑ ጥረ- ኣቅሑትን ካብ ዕደጋ ዝዕደጉ ዝርዝር ማተርያላትን ብግዜ ሰሌዳ ተዳልዮም
ንተጠቃሚ ኣካላት ምህርቲ ወይ ግልጋሎት ኣብ ዝፈርየሉ/ዝወሃበሉ ክፍለ ግዜ ንሕድሕድ ምህርቲ ዘድሊ ማተርያል
ብዝተመደበሉ በጀትን ግዜን ንክቐርብ ዝሕግዝ ሜላ ኣተላልማ ስርዓት እዩ።
Capacity Requirement Planning (CRP)
ሓደ ከይዲ ስራሕ ምህርቲ/ግልጋሎት ስራሕ ንምስራሕ ዘድሊ ዓቀን(Capacity) ማተርያል፤ማሸን፤ሰብ ሓይሊ ከምኡ እውን ናይ
መስርሒ ቦታ ቀረብን ፕሮሰስ ስራሕን ብምንፃር ንተጠቃሚ ኣካል ወይ ዓሚል ድልየት ንምርዋይ ዝዳለው ዓይነት ትልሚ እዩ።
1/23/2023
17
ኣመራርሓ -ፅንስ ሓሳብ
ኣብ ዝልዓለ ናይ መሪሕነት ዕብየት ብርኪ ዘለዉ መራሕቲ ዝሓሸ ናይ ስትራተጂካዊ ምሕሳብ፣ ምትእስሳርን ምውህሃድን፣
ጎንፅታት ምእላይ፣ ፀገማት ፈጠራዊ ብዝኾነ መነፅር ምውቓር ዓቕምታት ኣለዎም። ናይ መራሕቲ ዕብየታዊ ብርኪ
(developmental stage) ኣብ ናይ መራሕቲ ናይ ምትዕፅፃፍ (leadership agility) ዓቕሚ ወሳናይ ግደ ኣለዎ። ናይ
መሪሕነት ናይ ውስብስብነት ብርክታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ብርኪ (Level) ምልከታ (Orientation) እምነት (Core Beliefs)
ናይ ንቕሓት ብርኪ
(Level of awareness)
ክኢላ
(Expert)
ታክቲካል ፀገም ናይ
ምፍታሕ
ኣጠማምታ(tactical
problem solving)
ታክቲካል ውፂኢት/
(Provisional output)
ናይ መራሕቲ ክብሪ / ሓይሊ
ምንጪ ክኢላነትን ስልጣን
(position) እዩ ኢሉ ይኣምን፣
ዋና ሕቶ ቁልፊ ፀገማት ምፍታሕ
እዩ (Solve key problems)
መጠነኛ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ (modest reflective capability)፣
ጠንካራ ናይ ፀገም ምፍታሕ ዝንባለ/ምእዘና (a strong problem-
solving orientation)፣
ነፃ ዝኾነ ናይ ምስትንታንን ምሕሳብን ዓቕሚ
ለውጢ ናይ ምብሃግን ምቅባልን ዝንባለ
Effectiveness focus
ፈፃሚ
(Achiever)
ስትራተጂካዊ ውፅኢት
(Strategic Outcome)
ኣጠማምታ
ንኻልኦት ንምንቕቓሕ ስራሕ
በዳሂን ምስ ዓብይ ዓላማ
ምትእሳስር የድሊ ኢሉ ይኣምን፣
ዋና ሕቶ ዘድልዩ ውፅኢታት
ምስኻዕ (Achieve desired)
እዩ። outcomes)
ዓሚቕ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ፣ ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ ረቂቕ ቁም-ነገራትን
ርክባትን ምስትውዓል ዘኽእል ዓቕሚ ፣ ብዛዕባ ባዕልኻ፣ ሰባት፣ ትካላትን
ኢንድስትሪን ናይ ምስትንታን ዓቕሚ ምህናፅ ይሰፍሕ
ከባቢኻን ዓለም ለኻዊ ተርእዮታት ናይ ምግንዛብ ዓቅሚ
Efficiency focus
(Leadership Agility: Five levels of Mastery for Anticipating and initiating change,
Stephens A. Josephs and Wiliam B. Joiner, 2006) -----
1/23/2023
18
ኣመዛዝና ውፅኢት ትልሚ (Measuring Result)
ዕላማታትን ሽቶታትን ትልሚ ውፅኢት ንምዕዋት ትፅቢት ዝግበረሎምን ዝርከቡ ውፅኢታት(Results) ብሰለስተ ተፈልዮም
ዝልክዑን ዝግምገሙን እንትኾኑ እዚኦም ድማ፦
 ሽቶ (Outputs)
 ዕውትነት ዕላማ(Outcome)
 ዕውትነት ሽቶ ዘርከቦ ለውጢ (Impact) ተባሂሎም ይሽረፉ።
1. ሽቶ(Output, accomplishment) ዝበሃሉ ፍርያት/ግልጋሎት ናይ ሕድሕድ ክፍሊ ወይ ሰራሕተኛ ከም መደብ ብዝርዝር
ተቆፂረን ዝተውሃባ ስራሕቲ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ዝርኣየሉ ብርኪ እዩ። ብኻሊእ መዳይ ሽቶ(Outputs) ብትልሚ ዝተትሓዙ መደባት
እንትፍፀሙ ሽዑንሽዑ ዝርከቡ ምህርትታት/ግልጋሎት እንትኾኑ ምስ እታወታት ከይዲ ስራሕን ተዋዲዶም ምስተፈፀሙ ንተገልገልቲ
ወይ ተጠቀምቲ ዝቀርቡ ምህርትታት/ግልጋሎት ዝግለፀሎም መለክዕታት እዮም። መዐቀንትታት/ኣመላከቲ ሽቶ(Outputs) ከም
ኩነታት እቲ ትልሚ ብመጠን(quantity)፤ብፅርየት (Quality)#ገደብ ግዜን (timeliness) ወፃእን (Cost-effectiveness)
ዝግለፁ ክኾኑ ይግባእ። ሕድሕድ ዓይነት መለክዒ ብዝግባእ ንምግንዛብ ዝስዕቡ ኣብነታት ምስትብሃል ይጠቅም፦
 ብዝግባእ ዝሰርሕ ሶፍትዌር ፕሮግራም ምቅራፅ
 ዝተውሃበ ትክክለኛ ሓገዝ ንዓሚል
 ክፋል ስራሕቲ ፋብሪኬሸን ወይ ፕሮጀክታት ፍፃመ (Semi finished products/Services)
 ዝተማለአን ትክክለኛን ፀብፃብ ምድላው
1/23/2023
19
2. ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ዝበሃል ድማ ናይቲ ትካል ፍርያት ወይ ግልጋሎት ወይ ድማ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፅልዋ
ዘለዎም ግዳማዊ ጉዳያት ዘርክብዎ ናይ መወዳአታ ውፅኢት ማለት እዩ።ብተወሳኺ ውፅኢት ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ሽቶ
(Output) ዝተሓሰበሉ ሽቶ ምዕዋቱ ወይ ምርካቡ ዝግምገመሉ መዐቀኒ ሮቃሒ እዩ። እዙይ ማለት ከም ባህሪ ትልሚ ካብ
ሽቶ (Output) ቐፂሉ ደድሕሪኡ ወይ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ሓፂር ወይ ማእኸላይ ግዜ ዝርከብ ውፅኢት(Result) እንትኾን
ዕላማ ትልሚ ምዕዋቱ ዘርኢ መዐቀኒ እዩ።
ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ዘመልክቱ ወይ ዝዕቅኑ እዮም። መዐቀኒ ወይ ሓበርቲ ዕውትነት ዕላማ መብዛሕትኡ እዋን ትልሚ
ምስ ተፈፀመ ከከም ባህሪ ትልሚ ወይ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ውፅኢት ሽቶ ስትራተጂክ ትልሚ ዝምዘነሉ ኣመላኻቲ እዩ።ካልኦት
ኣብነታት ንምጥቃስ፦
 ዝተማሓየሸ ናይ ዓሚል ዕግበት
 ኣብ ክልቴኣዊ ረብሓ ዘድሃበ ናይ ትካላት ስራሕ ምትእስሳር ኣፈፃፅማ
 ምህርቲ ምስሳን
 ምትእትታው ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት
1/23/2023
20
3. ትልሚ ዘስዕቦ ለውጢ (Impact)
ትልሚ ዘስዕቦ ጥቅሚ ወይ ለውጢ (Impact) ዕውትነት ዕላማ ትልሚ ዘምፅኦ ሓፈሻዊ ውሽጣዊን ግዳማውን
ፅዕንቶ ወይ ደማ ለውጢ ዘመላኽት እንትኸውን ከም ባህርን ኩነታት ትልምን ኣብ ዝተወሰነ እዋን ወድያውኑ ወይ
ብሓፂር ወይ ብነዊሕ እዋን ክፍለጥ ይኽእል እዩ። ሓደ ትልሚ ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ ዕውትነት ዕላማ
(Outcome) ምስተረጋገፀ ዝርአ ፅዕንቶ ወይ ዝርከብ ለውጢ ብምኻኑ ከም ኩነታቱ ትካል ፅንዓት ኣካይዱ
ክፈልጦ ወይ ብተጠቀምቲ ከረጋግፅ ይኽእል እዩ።
ኣብነት ”- ኣብ ሓደ ዓመተ እዋን ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽቶ ምስሳን ምህርቲ እንተተዓዊቱ እዚ ትልሚ እዚ ምፍፃሙ
ብነብሲ ወከፍ እቶት ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ ኣሎ ማለት እዩ።
ኣብ መንጎ መዐቀንታት ወይ ሓበርቲ እታወታት፤ከይዲ ስራሕ ሽቶ(Output) ዕውትነት ዕላማ (Outcome)
ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ(Impact) ዘሎ ሓድነትን ኣፈላላይን ብግልፂ ንምርዳእ ቐፂሉ ዝተመልከተ ስእላዊ
መግለፂ ምግንዛብ የድሊ።
1/23/2023
21
ትልሚ ትሕቲ ዓቅሚ ፈፃሚ ኣካል ክኸውን የብሉን
ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝዳሎ ትልሚ ትሕቲ ዓቅሚ ፈፃሚ ወይ ድማ ዝነኣሰ ክኸውን የብሉን።ብብርኪ ትካልን ኢንዳስትርን ዝዳሎ
ትልሚ ብምህዞ/ፈጠራ ፤ብዓርሰ ተበግሶ ክበፅሓሉ ዝኽእል ዑቅር ውፂኢት ንምርካብ ስትራተጂካዊ ሽቶታትን ትልምታትን ደረጃ
ብደረጃ ንምዕዋት ዘኽእል ክኸውን ይግባእ። ነዚ ድማ ከም ውሽጣዊን ወድዓዊን ኩነታት ብጭቡጥ ዝዳህሰሰን ናይ ትካል ናይ
ምፍራይ ዓቅሚ (capacity requirment plan) ዘገናዘበ ምኻኑ ምርግጋፅ።
ብጭቡጥ ዘገድዱ ኩነታት እንትህልዉ ትልሚ ክክለስን ክማሓየሽን ይኽእል እዩ
ዝኾነ ይኹን ትልሚ ብጭቡጥ ዘገድዱ ኩነታት እንተጋጥም ክክለሰን ክማሓየሽን ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት
ብምሕንፃፅ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዘየተዓናቅፍን ኣገዳሲ ኩነታት ክምክት ዘኽእል እንተኾይኑ ትልሚ ብቀሊሉ ምክላስን ምምሕያሽን
ኣየድልን። ውሽጣዊን ግዳማውን ኩነታት ብዝግባእ ተተንቲኖም ዝግባእ ስትራተጂታት ብትኽክል እንተተሓንፂፆም ትልምታት ብቀሊሉ
ከይክለሱ ዘኽእል ካብ ምኻኑ ንላዕሊ ኩነታት ዘገድዱ እንትኾኑ ስትራተጂታት ብኣግባቡ ምቅያስን ምስ ዝለዋወጡ ኩነታት ባዕልኻ
ብምጥዕዓም ትልሚ ምፍፃምን ምዕዋትን ይከኣል እዩ። እዙይ ዓይነት ኣሰራርሓ ብቅዓት ኣመራርሓ የመልክት እዩ። ስለ ዝኾነ
ትልሚ ብዘይ ብቁዕን ጭቡጥን ኩነታት ኣድላይ ኮይኑ ከይተረኸበ ብቀሊሉ በቢእዋኑ ክቅየር የብሉን።
1/23/2023
22
ውፂኢት ኣፈፃፅማ ትልሚ ብግዜ ገደብ ክግምገም ኣለዎ
ትልምታት መምርሒ ኮርፖሬትን ኢንዳስትርን ከይተዓናቐፉ ብብቅዓትን ዕውት ብዝኾነ ኩነት ክፍፀሙ ንምግባር ዘየቃርፅ
ክትትልን ሓገዝን ብምግባር ፈፀምቲ ንውፂኢት ንምብቃዕ ብዝተተሓዘሉ መርሃ ግብሪ ገምጋም ምክያድ ካብ ናይ ትልሚ
ክያዶታት ሓደ ምኻኑ ምርዳእ ።
ዝምዘን ውፅኢት ትልሚ እምበር ሰብ ዘይምኻኑ ምግንዛብ
እስካብ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ስራሕ ሰራሕተኛ ዝብል ሓረግ ዝጥቀም ስለ ዝኾነ እቲ ኣሰራርሓ ባዕሉ ውፅኢት ትልሚ እንተይኮነስ ሰብ
ናብ ምዕቃን ድሑር ልምዲ ዘንፀባርቅን ብሕልና ሰብ ናብ ምምዛን ዘባል ኣተሓሳስባ እዩ። ብምክንያት እዚ ካብ መበገሲኡ ውፅኢት
ናብ ምምዛን ዕላማ ዘይጠመተ ብምኻኑ ስምዒታውን ጭቡጥ ዘይኮነ ብምዕቃን ንዝለዓለ ነኻል ዝፈጥር ኣመላኻኽታ ኣብ ርእሲ
ምኻኑ ኣሰራርሕኡ ውፅኢት ከዳኸም ዝፀነሐ ምኻኑ ዘጠራጠር ኣይኮነን።
ብመሰረት እዚ መዐቀኒ ውፅኢት ስራሕ ኣፈፃፅማ ትልሚ ክዕቀን ዝግባእ ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ብምምርካስ ውፅኢት ኣፈፃፅማ
ትልሚ እምበር ሰብ፤ጉጅለ፤ዘፈር ስራሕ ወይ ድማ ትካል ኣይኮነን። መሰረት ሓሳብ ዕላማ ኣመራርሓ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሰብ ምዕቃን
እንተይኮነስ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ትልሚ ምዕዋትን ምዕቃንን እዩ።
1/23/2023
23
ዕላማ (Goal)
ዕላማ ማለት ትካል ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ክዓሞ ኢልካ እትትልሞ ስራሕ እዩ። ብሓፈሻ ዕላማ ኣብ
መንጎ ልኡክቶን (ናበይ ከም ዘብል)ራእይን (ክኸውን ዝደልዮን) ዘሎ ክፍተት
ብምምላእ(ብምትእስሳር) መሰረታዊ ዝኾኑ ዓበይቲ ፍፃመታት ዝሕንፀፀሉን ናይቶም ዕላማታት
ፍፃመ ምርካብ ድማ ንፍፃመ ልኡክቶ ዕውትነት ከም መረጋገፂ ተገይሮም ዝወስዱን እንተኾኑ
ብባህሪኦም ግና ዓበይትን መሰረታውያንን ፍፃመታት እዮም።
 ሽቶ (Objectives)
ሽቶ ማለት ዕላማ ከመይ ኢሉ ናብ ተግባር ክሽረፍን ክብፃሕን ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ብርኪ
ስልታዊ ትልሚ እዩ። ሽቶ ካብ ዕላማ ዝፍለየሉ ብፉሉይ ብቁፅሪ ዝግለፅ ተዓቃናይ
(SMART)ምኻኑ እዩ።እዚ ናይ ዓንዲ መፈፀሚ ኮይኑ ምዕባይ፤ ምምሕያሽ፤ ምምዕባልን
ምህናፀን ወዘተ ብዝብል ትርጉም ዝግለፅ ስራሕቲ ብዒላማታት ጎጂሉ ዝሓዘ እዩ።
 ዒላማታት(Targets)፡-ንተግባራት በብጉጅለ ወዲብካ ንምቕማጥ ከምኡ እውን
ኣብ ትሕቲ ሓደ ሽቶ ዝተተለሙ ስራሕቲ ብዝዕቀን መንገዲ ዝግለፅሉ ብርኪ
ትልሚ እዩ፡፡
 ቀንዲ ተግባራት(Main Activities)፡-ዒላማ ንምዕዋት በብእዋኑ
ዝፍፀሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ምትላም ስራሕቲ ዝዳለው ዝርዝር
ተግባራት እዮም፡፡
1/23/2023
24
1/23/2023
25
( Vision)
- 3 ( Goal- 3)
- 2( Objective- 2)
( Mission) - 2( Goal- 2)
- 1( Goal- 1)
- 1( Objective- 1)
10%
- 3( Objective- 3)
- 1( Target- 1)
/
- 3( Target- 3)
90%
- 2( Target- 2)
- 1
- 3
- 2
/ Act ion Plan
( Enabeler s)
( Enabeler s)
Page 1
1/23/2023
26
ዕላማ፦ ምህርቲ ምስሳን/ወፃኢ ምቅናስ
ሽቶ ፦መፍረያይነት ብ15% ምዕባይ
ዒላማ1.፦ ኣብ መዓልቲ 7 ናይ ደረቅ ተስሓብቲ ምፍራይ
ዝርዝር ተግባራት
 ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብ ምስትኽኻል
 ከይዲ ስራሕ ፍሰት ምዕሩይ ምግባር
 ክብሪ ወሰኽ ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ምውጋድ
ዒላማ2፦ ናይ ዕዳጋ ብፅሒት 90% ምግባር
ዝርዝር ተግባራት
 ሓደሽቲ ፓርትነራት ምፍጣር
 ናይ ዕዳጋ መዳረሻ ቦታታት ምስፋሕ
 ናይ መፍረይ ወፃኢ ምቅናስ (Operating cost)
ዒላማ3፦ ናይ ወፃኢ ቅነሳ ስልቲ ምትእትታው
ዝርዝር ተግባራት
 ከይዲ ስራሕቲ (Process flow) ዝተቐላጠፈን
ስሉጥን ምግባር
 ክብሪ ወሰኽ ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ምውጋድ
ዒላማ4፦ ናይ እታወታት ኣቅርቦት ንምህርቲ ዕንቅፋት
ከምዘይኸውን ምግባር
ዝርዝር ተግባራት
 ናይ ዕደጋ ቐረብ ጥረ ኣቅሑ ብዝተቀመጠሉ ግዜ
ገደብ ክቐርብ ምግባር
 ተኣመንቲ መቅረብቲ ኣለሊኻ ናይ ስራሕ ውዕሊ
ሰነድ ምፍርራም
 በቢእዋኑ ናይ ዕዳጋ ፅንዓት መረዳአታ ምሓዝ
ዒላማ5፦ ተኣከብቲ ሒሳባት ብእዋኑ ምፅፋፍ
ዝርዝር ተግባራት
 ናይ ስራሕ ውዕላት ብመሰረት ውዕሊ ኮንትራት
ብእዋኑ ክዕፆ ምግባር
 ብውዕሊ መሰረት ካብ ቅድመ ክፍሊት ክሳብ 1ይን
2ይን ክፍሊት ብእዋኑ ምእካብ
 ውዝፍ ዕዳታት ናይ ምትዕራቅ ስራሕቲ ምስራሕ
1/23/2023
27
ጥማር ዳህሳስ ህልው ኩነታት
እዚ ኣብ ዙርያ ውሽጣውን ደጋውን ዳህሳስ ህልውን መፃእን ኩነት ትንተና ምስ ተኻየደ ተፀሚቁ ዝቀርብ
ዳህሳስ እዩ፡፡
1. ውሽጣዊ ኩነት ዳህሳስ (Internal Situational Assessment)
እዚ ኣብ ናይ ትካል ውሽጣዊ ገምጋም ክዕቀቡ ዝግብኦም ጥንካረታትን ክስተኻኸሉ ዘለዎም ድኽመታትን
ዘተኮረ ይኸውን፡፡ኣብዚ ዝግበር ዳህሳስ ን5ቲኦም ስትራቴጂያዊ ዓንድታት ብኣንፃር
ቴክኖሎጂ፣ፋይናንሻልኩነታት፣ብቕዓትኣመራርሓ(ማናጅመንትን)፣ፍርያትን ግልጋሎትን፣ውሽጣዊ
ስራሕቲ ዕደጋ፣ብፅሒት ዕደጋ፣ትካላዊ ኣወዳድባ፣ባህሊ ስራሕ፣ምህዞን ፈጠራን፣ፊዚካል መሳለጥታትን ካልኦትን
ዘማእኸለ እዩ፡፡
ሰደቓ ሀ፣ትንተና ውሽጣዊ ጥንካረን ድኽመትን
ስትራተጂካዊ ዓንዲ ጥንካረ (Strength) ድኽመት (Weakness)
ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት
ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ
ናይ ምፍራይ ተኽእሎ
ናይ ኢንቨስትመንት ተኽእሎ
ምትእስሳር
Difference between
Strategic pillars and
Four pillars
Analysis(Atitude,
Skill,Input and
system) ?
1/23/2023
28
2. ደጋዊ ኩነት ዳህሳስ (External Situational Assessment)
ኣብዚ ህልውን መፃእን ኩነታት ትካልና ብመንፅር ደጋዊ ኩነታት (PESTL) ዝድህሰስ ጉዳይ እዩ፡፡
ኣብነት፦
ፖለቲካዊ ኩነት
 ኣብ ፖሊሲታት ስታራተጂታትን ዘለዉ ዕድላትን ስግኣትን እዚ መንግስቲ ንቢዝነስ ብፍላይ ድማ ንመፍረያይ ዘርፊ ንምትብባዕን ምድጋፍን
ዝሕንፅፆም ፖሊሲታት ፣ ፕሮግራማትን መደባትን ብምኽንያት ቢሮክራሲን ክራይ ኣካብነትን ኣብ ኣፈፃፅማ ዝህሉ ዓንቀፍቀፍ ብዕምቆትን
ብስፍሓትን ብምድህሳስ ንቀፃሊ ትልሚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቲኻ ምስራሕ።
 ሰላምን ድሕንነት ብዝምልከት ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢምና ንዘሎ ብርሰትን ዕንወትን በዚ ኣቢሉ ንዝፍጠር ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋን ኣብ ከባቢና
ዝህሉ ለውጢ ንሰላም ጠንቂ ዝኾኑ ፀገማት ብኣግባቡ ብምትንታን ናብ ረብሓ ኣብ ምቅያር ዝህሉ ተፃብኦታት ምርኣይ።
 ካልኦት ተወሰኽቲ
ኢኮኖሚ(ማክሮን ማይክሮን)
 ዓለማውን ሃገራውን ዕብየት ኢኮኖሚ ዝምልከት ኣብ ትግራይ ንዝህሉ ዳግመ ህንፀት ንዚ ዕድል ብብቕዓት ክንጥቀመሉ ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢርና
ብቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ስግግር ብምምፃእ ምስ ዓለማዊ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ዘኽእል ኩለ መደያዊ ምርብራብ ዘድሊ ምኻኑ፡፡
 ማእኸላይ ነፍሰ ወከፍ እቶት
 ኩነታት ውድድር ዕደጋ
 ናይ ቅርሺ ምግዛእ ዓቕሚ
 ሚዛን ንግዲ ኣታውን ሰደድን
 ግብሪ መንግስቲ
 ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ
 መጠን ወለድ ወዘተ…
Difference
between SWOT
and PESTL
Analysis ?
1/23/2023
29
ማሕበራዊ
 ትምህርትን ስልጠናን
 ተመሓላለፍቲ ሕማማትን
 ሜላ መነባብሮን ባህልን ማሕበረ ሰብ፣ወዘተ
ቴክኖሎጂያዊ (ማሽነርን ካልኦት ሃርድዌርን ሶትዌርን)
 ሜላታት ግልጋሎት ኣወሃህባ
 ሓደሽቲ ውፅኢታት ፈጠራ
 ሓደሽቲ ሜላታት/ምህዞታት ስራሕ
 ምውናን ሓደሽቲ ማሽነሪታትን ካልኦትን ወዘተ
ከባብያውን ተፈጥራውን
 ኩነታት ስነ ምህዳር
 ምሕደራ ብኽለት /ኣጠቓቕማ ደረቕን ፈሳስን ጓሓፍ/
 ቅርበት/ራሕቒ መስመራት ንግዲ፣ ወዘተ/
ሕጋዊ (Legal) ኩነታት
 ሕገ መንግስቲ
 ኣዋጃት፣ደንብታት፣መምርሕታትን
 ሕጊ ተንከፍ ስምምዓት/ውዕላት፣ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ትንተና ንኩባንያ ዘለዎም ፅልዋን ክውሰድ ዝግብኦ መፍትሒ ሓሳብን
ብምጥቋም ዝቕመጥ ይኸውን፡፡
1/23/2023
30
3. ምንፃር ፅሟቕ ዕድላትትን ስግኣታትን
ትካልና ብዋናነት ካብ ደጋዊ ኩነት ትንተና ናብ ረብሕኡ ክቕይሮም ዝግባእ ዕድላትን መፍትሒ ክቕመጠሎም ወይ ጥንቃቀ
ክግበረሎም ዘለዎም ስግኣታትን ከም ዝስዕብ ክንፀሩ ኣለዎም፡፡
ሰደቓለ፣ፅሟቕ ደጋዊ ትንተና
ዝግምገም ርእሰ ጉዳይ ዕድላት(opportunities) ስግኣታት(Threats)
ፖለቲካዊ
ኢኮኖሚያዊ
ማሕበራዊ
ቴክኖለጂ
4. ምንፃር ዘኸእሉን ዝሓንቁን ዛዕባታት (Enablers & pains)
ኣብዚ ዝቕመጡ ዛዕባታት ካብ ውሽጣውን ደጋውን ኩነት ትንተና ውሽጢ እቶም ኣብ ሰደቓታት ‘ሀ’ ን ‘ለ’ን ዝተገለፁ ሓሳባት ኣብ
ዓመታዊ ትልሚ ክካተቱ ዝግብኦም ከም ዓቕምን ማሕነቖን(Enablers & pains) ምፍፃም ትልሚ ኮይኖም ዘገልግሉ ቀንዲ
ጉዳያት በቲ ኣብ ታሕቲ ሰደቓ ‘ሐ’ ዘሎ ስልሒት መሰረት ብንፁር ንምፍላይን ንምትላምን ተባሂሉ ዝካየድ እዩ፡፡
ጥንካረ+ዕድል=ዘኽእል ኩነታት ድኽመት+ስግኣት= ፈታኒ ኩነታት
ሰደቓ ሐ፡ ኣብ ዓመታዊ ትልሚ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያት ምፍላይ
1/23/2023
31
ስእሊ፦ኣብነት ንፈታኒ ኩነት ምፍታሕ ዘኽእል ኣከያይዳ
1/23/2023
32
5ተ ስትራተጂክ/ዓንድታት
ትካልና ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝወነነን ዘላቒ ኩለመዳይ ዕብየት
ዘመዝግብን ክኸዉን እንተተደልዩ ፈለማ እቲ ትካል ዝምርሓሉ ከም መወዳደርይ ኣንፈት እዩ
ዝብሎ ፖሊሲን ስትራተጂን ብሕንፃፅን እዚ ድማ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ንኹሉ ዘማእኸለ
ስርዓት ትልሚ ንክህልዎ ወሳኒ እዩ። ካብዚይ ብምብጋስ ብማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት
ከም ዋና ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ዝተነፀሩ መሳርሕታት ህንፀት ልምዓታዊ ኢንዳስትሪ
ሰራዊት፣ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ፣ምፍራይ ተኽእሎ ምፍጣር፣ኢንቨስትመንት ተኽእሎ
ምፍጣርን ተኣሳሲርካ ምስራሕን (Synergy) ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚኦም ዝርዝር
መረዳእታን ኣተገባብራን ከም ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡
1/23/2023
33
1. ህንፀት ልምዓታዊ ኢንዳስትሪ ሰራዊት
ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት እንትበሃል አብቲ ኢንዳስትሪ ዘሎ ሓይሊ ሰብ ኩሉ ብኣረኣእይኡን/ምልከትኡ
ኣተሓሳስብኡን፣ብፍልጠቱን ክእለቱን ንጡፍ፤ኣወዳድበኡን ኣስራርሑኡን ዝፈልጥ ፤ ንስርሑ ዘድልዮ
እታውትን መሳርሒን ፈሊጡ ብእዋኑ ዘዳሉን ፤ መሰሉን ግቡኡን ፈሊጡ ተወዲቡ ብትልሚ ዝምራሕ ፤
ናይ ትካል ሸቶ ብምዕዋት ተረባሓይነቱ ዘረጋግፅ ሰራሕተኛ ብምፍጣር ቀፃሊ ለውጢ ንምምፃእ ዝሰርሕ
ከይዲ እዩ።
ዝኾነ ይኹን ሰራዊት ዝህነፅ ብዕላማ (Purpose) እዩ። ዕላማ ዘለዎ ሰብ፣ንምንታይ፣ ንመን፣አንታይ
ንምዕዋት…. ወዘተ ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ብኣግባቡ ክርዳእ ይግባእ።
ብዕላማ ዝነብር ፣ንዕላማ ዝነብር ህዝባዊ ልእኸ፣ ሃገራዊ ልእኸ ናይ ታሪክን ባህልን ሓደራ ዝተሸከመ
ሰራዊት ልዕሊ ኩለን ቅድሚ ኩለን ህዝባዊን ሃገራዊን ረብሓ ዘቅድም ቅድሚ ነብሱ ንህዝቡ ዝሓስብ
እዩ። እዚ ሰራዊት ኩሉ ነገር ብኣንፃር ዝተሸከሞ ህዝባዊ ዕላማ ስለ ዝዕቀን ነዚ ንምዕዋት ኣብ ልዕሊ
“ፈንጂ” ዝረግፅ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ድማ ብታሪኩ ፣ሐዚ’ውን ፣ንቀፃላይ ውን በዚ ተግባር እዙይ
ዝፍለጥን ዓለም ዘስደመመን’ዩ። ስለዙይ ሰራዊት ክህነፅ እንተሎ ብዕላማ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ
ብደንቢ ክእመነሉ ይግባእ። ናይ ልምዓት ሰራዊት ክንሃንፅ እንተለና ድማ ብፍልስፍና ህንፀት
ሰራዊት ትግራይ ይኸውን።
1/23/2023
34
1. ናይ ኣተሓሳስባ ዓቅሚ ብከመይ ይህነፅ
 ንመንን ንምንታይን ዕላማ ሰራዊት ከም ዝህነፅ ዘሎ ክርዳእ ሰፊሕ ስራሕ ምስራሕ
 ረብሓን ውፅእትን ኣብ ውልቀ ይኩን ኣብ ህዝቡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገሩ ክርዳእ ምግባር
 ግልፅነት ፍትሓዊነት ኣስታፋይነት ዘረጋግፅ መስርሕ ምህናፅን ናብ ተግባር ምቅያርን
2. ቴክኒካዊ ዓቅሚ ምዕባይ፡-
 ዕላምኡ ዝፍለጥ ንዕለላምኡ ዝስዋእ ብኣተሓሳባ ቡሉፅ ሰብ ምፍጣር ቁልፊ ኮይኑ ቴክኒካዊ
ዓቅምታቱ /ክእለቱ/ ንክዓቢ ክፍተት ተፀኒዑን ብሉፅ ተሞክሮታት ክቐስም ብምግባር ናይ
ምብቃዕ ስራሕ ክሰራሕ ኣለዎ።(Based on need assessment)
1/23/2023
35
ብመሰረት እዚይ ልምዓታዊ ኢንዳስትርያለዊ ሰራዊት ተሃኒፁ ዝበሃል
 ንዝወፁ መደባትን ፕሮግራማትን ብዕቱብ ዝድግፍ(ከተማ ሕርሻ፤ካይዘን ኢኣርፕን…)
 ናይ ትካልን ዓሚልን ጠለባት ብቕዓትን ዉፅኢትን ብዘለዎ መንገዲ ዘዕግብ፣
 ንግዕዙይ፣ በለፀኛ፣ መምሰሊን ክራይ ኣካቢ ተግባራትን ኣተሓሳስባን ንምዕፃዉ ዝወፁ
ሕግታትን መምርሕታት ኣሰራርሓታትን ብትኽክል ዝቕበልን ዘተግብርን፣
 ንዝተመደበሉ መደብ ስራሕ ዝምጥን ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዝጨበጠ ንዘለዉዎ ክፍተት ክእለት፣
ፍልጠትን ንኽመልአ ልዑል ዓርሰ ተበግሶ ዘለዎን ብልዑል ወነ ዝፅዕርን፣
 ዘለዉዎ ብሉፃት ተሞክሮታት ናብ ካልኦት መሰርሕቱ ዘጋፍሕን ብናይ ሓባር ስራሕ ኣድማዕነት
(Team Spirit) ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ኣብ ዉሽጢ ትካል ዘለዉ ይኹን ካብ ትካል ወፃኢ
ብሉፃት ተሞክሮታት ብምቕሳም ቀልጢፉ ኣብ ተግባር ዘዉዕል ወዘተ…
1/23/2023
36
 ብኣረኣእያ
 ህዝባዊ ትካል ምኻኑ ዝርዳእ
 መንነቱ ክፈልጥ ምግባር (ትግራዋይነት)
 ሓፈሻዊ ድሕረ ባይታ ናይቲ ትካል ምፍላጥ
 ናይ ትካልና ራእይን ልእኹን ብዝግባእ ክርዳእ ምግባር
 ናይ ትካል ክብርታት ዓቂቡን ኣማዕቢሉን ዝኸይድ
 ትካል እንትዓቢ ተረባሓይ ምኻኑ ዝርዳእ
 ብፍልጠት /ክእለት ምዕባይ
 ተምሃራይ ምኻኑ ዝኣምን
 ብሉፃት ተመክሮ ዘጋፍሕ
 ተሞክሮ ልውውጥ ዝገብር
 ብፃይነትን ሓቢርካ ምስራሕን(Team Spirit) ዝኣምን
 እናሰረሐ ዝስልጥን /On job training
 ብQuality circle ምምህሃር ኣሚኑ ዝሰርሕ(Problem discussion)
1/23/2023
37
2. ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ
ትካላዊ ዋንነት ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ሓደ መሰረታዊ ስትራተጂ ኮይኑ ክልተ ነገር የመላኽት። ብቀዳማይ ብርኪ እተን ትካላዊ ዋንነት
ንምርግጋፅ ክትግበራ ኣለወን ዝተብሃላ ኣንፈታት ኣስጢምካ ሒዝካ ናይቲ ትካል ስርዓት ምሕደራ ንብረትን ፋይናንስን ብዝርዝር
ፈቲሽካ ነተን ጉድለታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዝፍተሐሉ መደብ ኣውፂእካ ምርብራብ ከምዘድሊ ዘመላኽት እንትኮን፤ ብካልኣይ ብርኪ
እዚ ስራሕ ብቐፃልነት እንዳተመሓየሸን እንዳማዕበለን ዝተፈለላየ ምህዞ እንዳተወሰኸሉን ክኸይድ ዝግበኦ ጉዳይ ስለዝኾነ ትካላዊ
ዋንነት ናይ ምርግጋፅ ስርዓትና ብዘይ ምቁርራፅ እንዳፈተሽካ ምምሕያሽ ዝግበር እዩ።
በዚ መሰረት ትካለዊ ዋንነት ተረጋጊፁ ዝበሃል
 ኣብ ትካልና ዘሎ ንብረትን ሃፍትን (ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሃፍቲታት) ዉሕስና እንትረኽቡን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰኑ
እንትኸዱን ብኣግባቡ ክመሓደሩን እንትግበር እዩ። ኣብዚ ሃፍቲ እንትንብል ንብረት፣ ሓይሊሰብ፣ መሽነሪ፣ ህንፃታት፣ ጥረ ኣቑሑ፣
ጥረ ገንዘብ፣ ተኣከብቲን ተኸፈልቲን ሒሳባትን ዝተፈላለዩ ዕዳታትን
 ብዃሊእ ወገን ዝተኣታተዉ ሓደሽቲ መምርሕታት፣ ኣሰራርሓታትን ፕሮግራማትን ግልፅን ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ እንትትግበሩ
 ብኣግባቡ ንትካል ብዘላቒ ተረባሒ ብዝገብር መልክዑ ክመሓደርን ኣብ ጥቕሚ ክዉዕልን ምግባር እንትክኣል እዩ። ኣብዚ ሕድሕድ
ኣመራርሓ ውሳነ ኣብ ምውሳን መምርሒን ኣሰራርሓን ተኸቲልካ ምስራሕ ንበይኑ ካብ ተሓታትነት ዘትረፍ ኣይኮነን ምክንያቱ እቲ
ኣመራርሓ እንትውስን ውልቃዊ ዓቅሙን ኣመራርሓ ጥበቡን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ናይ ትካል
ጥቅምን ረብሓን ማእኸል ብምግባር ክውሰን ትፅቢት ስለ ዝግበር(Agility)።

1/23/2023
38
ኣብ ትካላዊ ዋንነት ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያት
 ሕድሕድ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ክፍሉን ሓላፍነቱን ስልጣኑን ብግለፂ የቅምጥ
 ግልፂ ዝኾነን ንስራሕ ቅልጥፍና ዝፈጥር ኣወዳድባ ክህሉ ምግባር በዚ ኣቢሉ ድማ ንቲ ስራሕ ብቁዕ ሰብ
ምምዳብ
 ሕድሕድ ንብረት ኩባንያ ብሓላፍነተን ተሓታትነትን ዝኾነሉ መስርሕ ምዝርጋሕ
 ዝተዋደደ ናይ ሓበሬታ ስርዓት ኣብ ኩለን ትካላት ናይ ምትእትታው ከይዲ ምቅልጣፍ
 ናይ ኩሎም ሒሳባት ምትዕራቅ ስራሕቲ አጠናኺርካ ምቕፃልን ምፅፋፍን
 ብናይ ደገን ውሽጥን ኦዲት ዝተውሃቡ ርእይቶታት ሙሉእ ብሙሉእ ክስተኻኸሉ/ክፍፀሙ ምግባር
 መምርሒ ተኸቲልካ ብቑዕ ውሳነ ምውሳን
 ምስ ኩነታት ዘይዛባዕ (ኣብ ሕሉፍ ወራር ትግራይ ዘጋጠመ ኽስተት)ዝለዓለ ትካላዊ ዋንነት ምህናፅ
 ብተወሳኺ ኣብ ዘይድህሰሱ ሃፍቲታት ከም ትካላዊ መዋቅራት፤ሶፍት ዌራት፤ፕሮግራማት፤ዓበይቲ ዳታ
ምንጪ፤ሓደሽቲ ምህዞታትን(patents) ፉሉያት ክእለትን ከም መጠን ናይ ህዝብን ሃገርን ሃፍቲ ከምኡ እውን
ትካል ዕዳ ብዘይ ምኽፋል፣ ንሰራሕተኛታት ብዘይኣግባቡ ብምብዝባዝ፣ ናይ መንግስቲ ግቡኣት (ግብርን
ውዕላትን) ብእዋኑን ብመሰረት ሕግን ዘይምፍፃም፣ ንዓሚል እምነት ዘስእኑ ተግባራት ብፍላጥ ይኹን
ብሸለልትነት ብምፍፃምን ወዘተ ዝበሉ ንናይ ትካል ሽምን(Brand) ስብእናን ካብ ዘጉድፉ ተግባራት ዝረሓቐን
ንሕግን ደንብን ኣኸቢሩ ዝሰርሕ ኣብነታዊን ተኣማንን ትካል ብምግባር ንህዝቢ ዘለዎ ወገንተኝነት ምርግጋፅ
እንትኽእል እዩ።
1/23/2023
39
3. ናይ ምፍራይ ተኸእሎ ምፍጣር፣
ትካል ዘለዎ ማሽነሪ፣ ናውትን ናይ ሰብ ሓይሊ ብዝበለፀ ኣገባብ ኣዋዲድካን ፀንቒቕካን ብምጥቃም ዝበለፀን
ዝበዝሐን ፍርያት ኣፍሪኻ ምሻጥ ምኽኣል እዩ። ትካል ዝሓዞ ማሽነሪ ከመይ ከምዝሰርሕ ብሙሉእነት ተረዲእኻ
ብዝለዓለ ዓቕሚ ክንቀሳቅስ ምኽኣል፣ ሙሉእ ናይ ፅገና ዓቕምታት ፈጢርካ ብዘየቋርፅ ክሰርሕ ምግባር፤ ኣብ ገለ
ገለ መዳያቱ መስተኻኸልታት ብምግባር ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ንምውሳኽ ዝጥቀመሉ ጥረ ኣቑሑ ንምንካይ
ወይ ንምምሕያሽ፣ ዘፍርዮ ዓይነት ፍርያት ንምውሳኽ ወይ ንምቕያር ዝግበር መባእታዊ ናይቲ ማሽነሪ
ምምሕያሽ እውን ዝሓውስ፣ ነቲ ናውቲ ናይ ኣንቐሳቂስካ ምስራሕ/ዓቕሚ ምጥራይ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ናይ
ምፍራይ ዓቕሚ/ክእለት እዩ። ትካልና ዘድልዮ እታዎታትን መለዋወጥን ብዝበለፀ ፅርየትን ዝሐሸ ዋጋን
ንምቕራብ፣ ብናይ ውሽጢ እታዎታትን መለዋወጥን ወይ ድማ ብዝረኸሰን ብዝበለፀን ንምትካእ ናይ ክብሪ
ወሰኽ ስራሕቲ ብዕቱብ ብምስራሕ ስሉጥን ዝሓሸ ዋጋ ምሻጥ ፤ ብኻሊእ መዳይ ነዚ ንምግባር ዘኽእል ምስ
ኩነታት ዕዳጋ ዝቀያየር ናይ ዕዳጋ ምርካብን ምሻጥን ዘኽእል ዓቕሚ ዘዕቢ እዩ። ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ዘይሩ
ዘይሩ ብሰብ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ዝግለፅ እዩ። ነዚ ኣሰራርሓ ዝሕግዙ ፕሮግራማት(ካይዘን፤QMSን ERPን)
ዝተመረፁ ስልትታት ተፈቲኖም ውፅኢታዊ ዝኾኑ ብምትግባር ሃፍቲ ትካል ብኣግባቡ ካብ ምምሕዳር ወፃኢ ኣብ
ናይ ውድድር መንፈስ ንክንኣቱ ወሰንቲ ጉዳያት ኮይኖም ንዝለዓለ ትካላዊ ዕብየት ዘብፅሕ እዩ።
1/23/2023
40
ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ተፈጢሩ ክበሃል ዝኽእል ብትኽክክል እቲ ምህርቲ ብዝተሓተ ወፃኢ ወይ ፅሬት(ዝለዓለ ክብሪ)ፈሪዩ
ኣብ ዕዳጋ ተጠላቢ እንትኾንን በዚ ኣቢልካ ድማ ትካል ዝሓንፀፆም ሸቶታትን ዕላማታትን ምስዃዕ እንትከኣልን ጥራሕ እዩ።
ምፍራይ ተኽእሎ ማለት ናይ ቁፅሪ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ሕልና ፅዋታ ምዃኑን ካብ ናይ ደቂ ሰባት ለዉጢ፣ ዉፅኢት ዝብል ኣብ
ርእሶም ብዝፍጠር ኣመለኻኽታ ዝለዓልን ኩሉ ግዜ ካብ ትማሊ ብኣንፃር
 ውፅኢታዊ(Efficiency) ማለት ሓደ ስራሕ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ኣብ ዘሎ ከይዲ ወፃኢ ቆጣቢ ብዝኾነ መንገዲ ምፍፃም
እንትኾን ወፃኢ ምቕናስ ማለት ድማ ሓይሊ ሰብ ፣ግዜ፣ ጥረኣቑሑ ብዝቑጥብ፣ ዉሑድ መሳርሕታት ብምጥቃም፣ ክንክን
መሳርሒታት ብምግባር ናይ ፅገና ወፃኢ ብምቕናስ፣ ዝሓሹን ዝተመሓየሹን ኣሰራርሓታትን ቴክኒካትን ብምትእትታዉ ግዜን
ጉልበትን ብምቕናስን ብርኪ ፅሬት ብምዕባይን ወዘተ ኣቢልካ ክግለፅ ዝኽእል እዩ።
 ኣብነት ፦1+2=5=input< output/cost “Dematerialization” refers to the process of declining consumption
of material and energy per unit of a product delivered. That makes economic sense, since spending less on inputs can
swell profit margins and make outputs cheaper and, therefore, more competitive.
 ምስኻዕ(Effectiveness) ማለት ሓደ ትካል ብዝፈፀሞም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብዝተቀመጠሎም መርሃ ግብሪ መሰረት
ኣብ መወዳእታ ዝተቀረፁ ዕላማታትን ሸቶታትን ምስኻዕ ምኽኣል እዩ።ትልሚ ብኣንፃር ኣፈፃፅማ
1/23/2023
41
 ናይ ኣመራርሓ ኣካላት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትዓቢ ፦ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትለዓል ናይ ኣመራርሓ ብፂሒት እቲ
ዝዓበየ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ኣመራርሓ ማለት ቀንዲ ቀላሲ(መዘውር) ናይቲ ትካል ዕውትነት ኮይኑ እንትርከብ እዩ። ስለ ዝኾነ
ኣመራርሓ ኣካላት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ንምዕባይ ናይ ትካል ሃፍቲ (ሓይሊሰብ፣ መሽን፣ ፋይናንስ፣ ሽም) ወዘተ ብኣግባቡን
ብዝተዋደደን መልክዑ ንከመሓድር ዘይሕለል ኣስተዋፅኦ ብምግባርን ብዓርሰ ተበግሶ ዝነጥፉ ውፍያትን ተዓፃፀፍትን መራሕቲ
ምስ እንትፍጠሩ ኣብ ናይ ትካል ቀፃሊ ናይ ምዉድዳር ዓቕሚ ክፈጥር ናብ ዘኸእሎ ብርኪ እንትበፅሕ እዩ።
 ናይ ሰራሕተኛ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትዛይድ ፦ሰራሕተኛታት ዘለዎም ናይ ክእለት፣ ፍልጠት፣ ኣመለዃኽታ ክፍተት
ብምፅናዕን ብምምማይን ፀገም መፍረያይነቶም ክፈትሕ ዝኽእል ዝተፀንዐ ናይ ደገን ዉሽጢን ስልጠናታት ፕሮግራም
ምቕራፅን ምስ ኣብ ከባቢ ዘለዋ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ድማ ሓቢርና ብምስራሕ ዝመፀ ለውጢ ተዓቂኑ እንትግምገም።
 ቐረብ ጥረ ኣቑሑ እንትዓቢ፦ ናይ ንብረት ቁፅፅር ስርዓት ምጥንኻር፣ ስታንዳርድ እንጥቀመሎም ኣቑሑት ምንፃርን ፣ ምስ
መቕረብቲ ኣካላት ስጡም ርክብ ብምፍጣር ብፅሬትን ብዋጋን ተወዳዳሪ ዝኾነ ዘላቕነት ዘለዎ ዕድጋ ክህሊ ምግባር፣ ክንዲ
ዝከኣል ተኣመንትን ዓቅሚ ዘለዎም መቅረብቲ ብምሕራይ ውዕሊ ብምእሳር ካብ ውሕድ ላይን ኣይተም(Small quantities)
ዕደጋ ብምዉጋድ ብበልክ(in bulk) ንከግዝኡ ምትብባዕን ከም መስርሕ ምኸታልን፣ ኣብ ከይዲ ንድፊ ይኹን ከይዲ ምህርቲ
ዝፍጠሩ ብኽነታትን ተረፈ ምህርቲ ናብ ክዉገድ ዘይኽእል(Circular Economy) ብርኪ ምብፃሕ ወዘተ ዝበሉ
ከይዲታት ተጠናኺሮም ኣብ ምቅፃል እንትርኣዩ።
1/23/2023
42
ሽቶ 1. ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምህናፅ
ዝካተቱ ቀንዲ ስራሕቲ
 ዒላማ 1፡ ስርዓት ቀረብ እታወታት ምጥንኻር (Supply Chain)፡- ስራሕቲ ዕድጊት ብዓይነት (ስሩዕን ዕደጋን ናይ ዳግመ
ህንፀት ዕደጋን ብምፍላይ)፣ ጥረ ኣቁሑን መለዋወጢ ኣቑሑትን፣ ኣብ ኩሎም መጠን በብእዋኑ ምቅማጥ፤
 ዒላማ 2፡ ዓቕሚ ፅገና ምዕባይ፡- ድልውነትን ኣጠቓቕማን ማሽን፤ ብኩናት ዝተበላሸው ማሽናትን መሳርሕታትን ምፅጋን ወይ
ሞደፊክ ምስራሕን ብኸፋል ዝተበላሸው ማሽናትን መሳርሒታትን ምፅጋን ወይ ሞደፊክ ምስራሕን ብኸፋል ምትካእን፤
 ዒላማ 3፡ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርቲ፡- ካብ እታወታት ጀሚሩ ዘሎ ቁፅፅር ፅሬት ፍርያት፤
 ዒላማ4፡ መፍርይ ወፃኢታት ምቕናስ፡- ሜላታት ምቕናስ መፍረይን ምም/ራውን ወፃኢታትን ቁፅፅር ብኸነትን፣ ንፅፅር ወፃኢታት
ምስ መሸጣ ምምሕያሽን፤
 ዒላማ 5፣ ዓቕሚ ምሕደራ ስቶክ (ፍርያት) ምምሕያሽ፡- ምሕደራ መረዳእታ ፣ ክህሉ ዝግበኦ መጠን፣ ኣብ ምብዛሕን ምቕናስን
ዝውሰዱ ስጉምትታትን፤
 ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕቲ፤
ሽቶ 2. እቶት ምዕባይ
ዝካተቱ ቀንዲ ስራሕቲ
 ዒላማ 1፡ ስራሕቲ ዕደጋ (Marketing) ምጥንኻር፡- ሽፋን ዕደጋ ምስፋሕ፣ ሓዱሽ ዕደጋ ምፍጣር፣ ሓድሽ ፍርያት ምትእትታው፣
ምህርቲ ምልላይ፣ ብፅሒት ዕደጋ፣ ፅንዓት ዕደጋ ምክያድ ወዘተ፤
 ዒላማ 2፡ ስርዓት ምክፍፋል ምህርትን ግልጋሎትን
 ዒላማ 3፡ ዕብየት ዓማዊል ምምሕያሽ ምውሳኸ ሓደሽቲ ዓማዊል ፣ ምዕቃብ ዓማዊል ዓዲ ውሽጢ ወይ ወፃኢ
 ዒላማ 4፡ ዓቕሚ መሸጣ ምዕባይ (Sales capacity Options)፡- ኣማረፂታት መሸጣ (ኣብነት ልቓሕ መሸጣ)፣ መሸጢ
ማእኸላት ምስፋሕ፣ ምምሕያሽ ዋጋ ፍርያት ፣ሰደድ ወፃኢ ዕደጋ፣ ወዘተ፤
1/23/2023
43
4. ናይ ኢንቨስትምንት ተኸእሎ ምፍጣር
እዚ ብሙሉእነት ዝተፀንዐ በቢግዚኡ ዝኽለስን ቡዙሕ ናይ ኢንቨስትመንት መማረፅታት ዝሸፈነን ከከም ኣድላይነቱ እናተመረፀ ናብ
ኢንቨስትመንት ክሰጋገር ምግባርን በዚ ኣቢልካ ድማ ዓቕሚ ኣመራርሓ ብኩለመዳይ ክዓቢ ምስራሕ የድሊ። ንኣብነት ናይ
መዋፃኣይነት ፅንዓት ተፀኒዑ ሓዱሽ ትካል ንምጥያሽ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን እቲ ቀፂሉ ዝመፅእ ነገር ነቲ ዝድለ ፍርያት ንምፍራይ
ዘኽእል ቴክኖሎጂ ምልላይን ምምራፅን እዩ። ቴክኖሎጂ ናይ ምልላይን ምምራፅን ስራሕ ንምስራሕ ገፊሕ ናይ ቴክኖሎጂታት
ሓበሬታ ዝርከበሉ ማእኸል ምንጪ ምፍጣርን ሓበሬታ ምስ ዝርከበሎም ምንጭታት ርክብ ምፍጣር የድሊ።እዚ እንታይ ዓይነት
መማረፂ ቴክኖሎጂታት ብምንታይ ዓይነት ዋጋ ከም ዘሎ ንምፍላጥ መባእታዊ ገምጋም ንምክያድ ይሕግዝ። ድሕሪ እዚ ናይ
ኢንቨስትመንት ውሳነ እንትውሰን ብቑዕ ቴክኖሎጂ ብዝረኸሰ ዋጋ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዝርከበሉ ካብዚ ክንድዝተኽኣለ ብናይ ውሽጢ
ዓቕሚ ዝስረሐሉን ነዚ ዝኸውን ዝተወደበ ዓቕሚ ምፍጣር ብቐፃልነት ምምሕያሽን።
ኣብዚ ናይ ኢንቨስትመንት ዓቅሚ ተፈጢሩ ዝበሃል
 ነቲ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ዘንቐሳቅሱ ብውሽጢ ዓቅሚ ወይ ብናይ ደገ ኪአላ ኣሰልጣኒ ተወዲቡ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ እንትህሉ
እንትኸውን ብኻሊእ መዳይ ኣብ ፕሮጀክት ምምሕዳር ጥበብ እንትፍጠርን ንፕሮጀክት መመሓደርቲ ዘሰልጥንን ዝቆፃፀርን
ዓቅሚ ዝወነነ ኣመራርሓ ክህሉ እንተተገይሩ እዩ። ኣብ ናይ መረዳእታ ኣተሓሕዛ ድማ ሰፊሕ ናይ ቴክኖለጂ ፋይላት መማረፅቲ
ሓሳባት ተሰኒዱ እንትትሓዝ እዩ።
1/23/2023
44
5 ተዋዲድኻ/ተኣሳሲርካ ምስራሕ /Synergy/
ትካልና ዘለዎ ሃፍቲን ሞያን ብምውዳድ ምስ ውሽጣዊን ካልኦት ደጋዊ ተመሳሰልቲ ትካላትን
ብምዉዳድን ሓቢርካ ብምስራሕን ዝርከብ ክልተኣዊ ረብሓ ዘለዎ ምትእስሳር እዩ። እዙይ ንምዕዋት ዘለካ
ሃፍትን ዓቕሚን ብምዉዳድ ፣ ኣብ ዉሽጢ ትካል መምርሒ ምስ መምርሒ ፤ ክፍሊ ምስ ክፍሊ
ብምቅንጃው ሓባራዊ እቶት ናይ ምድንፋዕ ክስራሕ ከምዘለዎን ከምኡ እውን ምስ ኣሓት ትካላት፣ ምስ
ከባቢ ሕብረተሰብ ፣ ምስ ዩኒቨርስትታት ፣ ምስ ከባቢ ምምሕዳራትን መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት
መዳርግቲ ኣካላትን ተሓጋጊዝካ ምስራሕ እዩ ።
1/23/2023**
45
ከም ንህቢ ንሓደ ልእኹን ዕላማን ዝወፍር ልምዓታዊ ሰራዊት
ተዋዲድኻ ምስራሕ( ዘለካ ሃፍትን ዓቅምን ምስ ውሽጣዊን ደጋዊን ኣካላት ምውዳድ)
ኢንቨስትመንት ተኽእሎ(ነዚ መበገሲ ዝኸውን ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ዓቕሚ እዩ፣
ብሙሉእነት ናይ መዋፃኣይ ፅንዓታት ምትግባር)
ምፍራይ ተኽእሎ(ማሽነሪን ናውቲን ምስ ሓይሊ ሰብኻ ምውዳድ፣ካይዘንን ናይ ማሽን
ፅገና ዓቅሚ ምዕባይ)
ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ (ኣሰራርሓ፣ስርዓት ምሕደራን ኣወዳድባን ከከም ስራሕ ባህሪኡ
እንዳጠናኸርካ ምኻድ)
ልምዓታዊ ኢንዳስትሪያላዊ ሰራዊት ምህናፅ (ኣብ ናይ ትካል ተልእኾ ሓበራዊ ምርድዳእ
ምፍጣር-ብኣረኣእይኡን ኣተሓሳስብኡን ፍልጠቱን)
መጠቃለሊ ምትእስሳር ዓንድታት
46

Más contenido relacionado

Similar a 5ተ ዓንደታት ስልጠና.pptx

RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptx
RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptxRD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptx
RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptxSoloMi1
 
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከን
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከንEthiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከን
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከንabdraefreq
 

Similar a 5ተ ዓንደታት ስልጠና.pptx (20)

RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptx
RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptxRD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptx
RD-IPD-Status-Report-2022-Rev-000.pptx
 
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdfTigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
 
Amharic - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
Amharic - The Gospel of the Birth of Mary.pdfAmharic - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
Amharic - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
 
Tigrinya - The Protevangelion.pdf
Tigrinya - The Protevangelion.pdfTigrinya - The Protevangelion.pdf
Tigrinya - The Protevangelion.pdf
 
Tigrinya - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
Tigrinya - The Gospel of the Birth of Mary.pdfTigrinya - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
Tigrinya - The Gospel of the Birth of Mary.pdf
 
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdfAmharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
 
Geez 1
Geez 1Geez 1
Geez 1
 
Tigrinya - Ecclesiasticus the Wisdom of Jesus the Son of Sirach.pdf
Tigrinya - Ecclesiasticus the Wisdom of Jesus the Son of Sirach.pdfTigrinya - Ecclesiasticus the Wisdom of Jesus the Son of Sirach.pdf
Tigrinya - Ecclesiasticus the Wisdom of Jesus the Son of Sirach.pdf
 
Amharic - Ecclesiasticus.pdf
Amharic - Ecclesiasticus.pdfAmharic - Ecclesiasticus.pdf
Amharic - Ecclesiasticus.pdf
 
Tigrinya - 2nd Esdras.pdf
Tigrinya - 2nd Esdras.pdfTigrinya - 2nd Esdras.pdf
Tigrinya - 2nd Esdras.pdf
 
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdfTigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
 
Tigrinya - Testament of Gad.pdf
Tigrinya - Testament of Gad.pdfTigrinya - Testament of Gad.pdf
Tigrinya - Testament of Gad.pdf
 
Amharic - The Epistle of Ignatius to Polycarp.pdf
Amharic - The Epistle of Ignatius to Polycarp.pdfAmharic - The Epistle of Ignatius to Polycarp.pdf
Amharic - The Epistle of Ignatius to Polycarp.pdf
 
Tigrinya - Prayer of Azariah.pdf
Tigrinya - Prayer of Azariah.pdfTigrinya - Prayer of Azariah.pdf
Tigrinya - Prayer of Azariah.pdf
 
Amharic - 2nd Esdras.pdf
Amharic - 2nd Esdras.pdfAmharic - 2nd Esdras.pdf
Amharic - 2nd Esdras.pdf
 
Tigrinya - Wisdom of Solomon.pdf
Tigrinya - Wisdom of Solomon.pdfTigrinya - Wisdom of Solomon.pdf
Tigrinya - Wisdom of Solomon.pdf
 
Tigrinya - Bel and the Dragon.pdf
Tigrinya - Bel and the Dragon.pdfTigrinya - Bel and the Dragon.pdf
Tigrinya - Bel and the Dragon.pdf
 
Amharic - Second and Third John.pdf
Amharic -  Second and Third John.pdfAmharic -  Second and Third John.pdf
Amharic - Second and Third John.pdf
 
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከን
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከንEthiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከን
Ethiopian Driving rules and penalty በአሽከርካሪዎች የሚፈፀሙ ጥፋቶች እና የጥፋት እርከን
 
Tigrinya - 2nd Maccabees.pdf
Tigrinya - 2nd Maccabees.pdfTigrinya - 2nd Maccabees.pdf
Tigrinya - 2nd Maccabees.pdf
 

5ተ ዓንደታት ስልጠና.pptx

  • 1. 1/23/2023 1 መስፍን ሓፂነ መፂንን ኢንጅነሪንግን ኮርፖሬሽን ስትራተጂክ ጥሙር ፓኬጅ ስልጠና
  • 2. 1/23/2023 2 Slides ዝቐርብ ሰዓት Slides 3-31 ትልምን ተዛመድትን ጉዳያት 2:00-4:30 ዕረፍቲ ሻሂ 4:30-5:00 Slides 32-46 ስትራተጂክታት ትንተና 5:00-6:00 Group discussion -------- 6:00-7:30 መራሕቲ ጉጅለ 7:30-8:30 Out lines
  • 3. 1/23/2023 3 መእተዊ ትካልና ሓፂነ መፂን መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ ኣብ ትግራይ ንዝሳለጥ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ዕዙዝ እጃም እናወፈየ ዝርከብ ትካል እዩ፡፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወራር ፋሽስታውያን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ናይ ምፍራይ ዓቅምና እንዳቐነሰ ብምምፃእ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጠጠው ክብል ተገዲዱ እዩ። ኣብ ኣደላልዋ ትልምን ኩነታት ዳህሳስ ኣካይድኻ ስትራተጂክ ከመይ ከም ዝቅረፅ ኣብ ትካልና ዝተሓተ ግንዛበ/ርድኢት ጉዳይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሓደ ተመሳሳሊ ርድኢት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ ኣደላልዋ ትልም ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል በቢዝመሰሎ እንዳሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ እቶም ዓንድታት/ስትራተጂክ ትልሚ ዘሎ ምትእስሳርን ምድግጋፍን’ውን ንፁርን ዝተጠናኸረን ግንዛበ ዘይምህላዉ ተዳልዮም ኣብ ዝመፁ ሰነዳት ትልምን ፀብፃብን ምርዳእ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚኣቶምን ካልኦት ሓገዝቲ መብርህታት ብምክታት ኣብ ምድላው ትልሚ ዝረኣዩ ፀገማት ንምቅላል ዘድሊ ዝተማልኣ መስርሕ ኣመሓይሽካ ምድላውን ምትግባርን ኣድላይ ምዃኑ ተኣሚንሉ ኣሎ፡፡
  • 4. 1/23/2023 4 ዕላማ ፡-  ትልምን ትሕዝቶ ትልሚ ኣደላልዋ ምንፃር  5ተ ስትራተጂ ዓንድታትን ካልኦት ፅንስ-ሓሳባትን ብምትንታን ርዲኢት ምዕባይ  5ተ ስትራተጂ ዓንድታትን መሰረታዊ ትሕዝትኦም ብኣግባብ ብምትንታን ዓበይቲ ሓበርቲ ፍፃመታት ምንፃር
  • 5. 1/23/2023 5  ራእይ (Vision) አብ ሎሚ ኮይንካ ስለ መፃኢ ዉፅኢትን ፍፃመን ብዓይነ ሕሊናኻ ምስኣል ማለት እዩ ። ነቲ ብዓይነ ሕልና ዝስኣልካዮ ዝተፈፀመ ዓብይ ስእሊ ኮይኑ ስርዓት ብዝለዎን ንኻልኣት ብዝነቓቅሕ፣ ዘለዓዕል መልክዕን ከይዲ ምንቅስቓስ ናይቲ ትካል ከም ኣንፈት ሓበሪ፤ ክብርታቱን ቐልቢ ሰራሕተኛን ሰላቢ ኮይኑ ከም ዘገልግል ገይርካ ቅልል ብዝበልን ብዝሓፀረን ግን ድማ አብ ዉሽጡ ብሓፂር ቃላት በዙሕ ትርጉም ክሕልፍ ብዝኽእል መንገዲ ገይርካ ምቅራፅ። ትካል ብናይ ከባቢያዊ ተፅዕኖ ልእኹ ንምምሕያሽ ወይ ንምቅያር እንትግደደ ራእይ ግን ነዚ ለውጢ ተፃዊሩ ናብ ናይ መወዳእታ ዉፅኢት ዘርኢ ባህጊ እዩ ።
  • 6. 1/23/2023 6 እዚ ማለት ባህጊ ኣብ ግዜ ቀውሲ ዓቕሚ ዝፈጥር ፤ ኣብ ግዘ ሓመድ ምልሓስ ዝኹላዕ ናብ ሙሉእነት ዝውስድ ናይ ለውጢ ኣንፈት እዩ። ባህጊ ኣብ ምህናፅ ብሄራዊ መንነት እውን ከም ቀንዲ ዓንዲ ተገይሩ ይውሰድ እዩ። o’Nail (2007) ራእይ ከከም ናይቲ ትካል ባህጊ ብግዘን ግንዛበ ኩነታትን ዝግለፅ እዩ። ህልውና/ጥቅሚ ራእይ  ንዝተፈላላዩ ባህግታት ዓንዲ ኮይኑ የገልግል  ንስራሕ ከም መለዓዓሊን መነቃቅሕን ኮይኑ የገልግል  ኣተሓሳሳባን ሓበራዊ ርድኢት ፈጢርካ ኣብ ምኻድ ይሕግዝ  ፍሉይነት ዘለዎን ተወዳዳሪ ናይ ምኻንን መንፈስ ፈጢሩ ውሽጣዊ ጥንካረ ዝጥቀም ሓፂርን ነዊሕን ሓሳባዊ ጉዕዞ ናብ ተግባር ንምቅያር ዝህንጠ ምኻኑ  ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ተፃዊሩ ባህግታቱ ዘኾልዕ መንፈስ ዝፈጥር
  • 7. 1/23/2023 7 •ልኡኽ (Mission) ራእይ ማለት መሰረት ናይ ሓደ ትካል ልኡኽ እዩ። ልእኽ ብኣንፃሩ ድማ እዚ ራእይ ኣሻጊሩ ዝረኣዮ ንትካልን ሕብረተሰብን መሰረታዊ ትርጉም ዘለዎ ሓሳባዊ ዝተጠናቐቐ ውፅኢት ካብ ሓሳባዊ ምኻኑ ሓሊፉ ናብ ተግባር ቀይሩ ክረአ ዝገብር ብኸመይ፤እንታይን ንምንታይን ይትግበር ዝብሉ ፅንሰ ሓሳባት ናብ ተግባር ንምሽራፍ ዝክእል ዓበይቲ መማረፂ ኣካይዳታት ሕፅር ብዝበለን ሽቶታትን ስትራተጅታትን ኣብ ምምዕባል/ምርቃቅ ብዝሕግዝ መልክዕ ዝግለፅ እዩ። ህልውና/ጥቅሚ ልእኽ  ኣብ ናይ ትካል ዕላማ ሓበራዊ ርድኢት ክህሉ ይገብር  ሽቶን ስትራተጂ ትልምታት ኣብ ምንዳፍ (formulating)ዓብይ ሓገዝን ግንዛበን ይፈጥር
  • 8. 1/23/2023 8 ይኹን ደኣ እምበር ናይ ትካልና ኣመራርሓ እዚ ትካል ዝተጣየሸሉ ልኡኽን ዕላማን ብዝግባእ ተንቲኑን ተረዲኡን ስትራተጂ ብምቕራፅ ክመርሕ ዘኽእል ናይ ስትራተጂካዊ መሪሕነት ድልዉነትን ዓቕሚን ምንኣስን ዝተርኣየ ምኻኑ እሙን እዩ፡፡ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘመን ትካልና ብትኽክል ልኡኹ እንታይ እዩ ኢሉ ነዚ ልኡኽ ብኸመይ እዩ ዝፍፀም ዝብል ሓበራዊ ዝኾነ ግልፂ ምርድዳእ ዝፈጠረ ኣይነበረነን፡፡ ኣብ ልኡኹ ግልፂ ምርድዳእ ብዘይ ምፍጣሩ ድማ መብዛሕቲኦም ስራሕቲ ዝዕመሙ ብኣጋጣምን ብዝርጉፉን ብምኻኑ እቲ ተፈጢሩ ዝበሃል ዓቕሚ እዉን እንትኾነ ዝርግፉን ዒላምኡ ዘይወቅዕን ክኸዉን ገይርዎ እዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ናይ ትካልና ልእኽ ብዝርዝር ሕድ ሕድ ፅንስ ሓሳብ ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።
  • 9. 1/23/2023 9 ″ኣብ ምርምርን ፅንዓትን ዝተመስረተ ናይ ሕብረተሰብ ማሕንቆታት ዝፈትሕ″ ማለት ኣብ መስፍን ሱር ነቐል ዝኾነ ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ዝግበሩ ናይ ለዉጢ ፕሮግራማት ብልቢ ኣሚኑ ዝስለፍን ብሓቦ ሓቂ ተተርኢሱ ዝመርሕን ንትካል ረብሓ ቐዳምነት ሂቡ ዝሰርዕን ኣመራርሓ ብምህናፅ ውሽጣዊ ጥንካረታትናን ዓቅምናን ብኣግባቡ ብምውዳድ ብዕምቆት ምትንታንን ብምፍላጥን ካብ ንዋታዊ ሃፍቲ ናይ ኣእምሮ ሃፍቲ/ፍልጠት ዓምዲ ገይሩ ዘድሃበ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ውዳበን ብምግባር ኣብ ሕ/ሰብ ቁልፊ ማሕኖቆታት ዝኾኑ ዛዕባታት ከም ቁልፊ መደብ ወሲዱ ኣብ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ምህዞን ምርምርን ዓርሰ ሞርኮሰ ብምድራኽ ምስራሕ እዩ። ″ኩሎም ፀጋታትና/ዕድላት ዘልምዕን ዝጥቀምን″ ማለት ትግራይ ኣብ ዝተፋላለዩ ናይ ታሪክ ምዕራፋት ተፃብኦታት እናገጠምዋን እናሰገረትን ኣብ እንርከበሉ ህልዊ ኩነታት ማለት እዉን ብሕሱም ድኽነትን ድሕረትን ብዓባያ ሃገር ዝነበረት ነገር ግን ብውሽጣዊ ተቃርኖታት ተቐርሚዳ ትነብር ኣላ፡፡ ስለዚ ነዚ ኩነት ታሪክ ንምግባር ትግራይ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻዊን ፀጋታት ናብ ረብሓ ዝቐየረት፣ መሰረታዉ ናይ ኢንዳስትርታት መወዳደሪ ረቃሒታት ብዓረሰ ምርኮሳ ዝመለሰት ከምኡ እዉን ኣብ ናይ ቐርኒ ኣፍሪካ ዕዳጋ ተዋዳዲሩ ተመራፃይ ዝኾነ ፍርያትን ግልጋሎትን ዝወነነ ምግባር እዩ፡፡
  • 10. 1/23/2023 10 ″ሃፍቲ ዘራብሕን ናይ ልምዓት ሓይሊታት ዘዕስልን ዝድግፍን″ማለት ትካልና ምስ ናይ ምርምር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጠንካራ ምትእስሳር ብምፍጣር ናይ ምርምርን መፅናዕትን፤ናይ ዝተፈላለዩ ዘፈር ስራሕ እታወታት ቴክኖሎጂ ምቅዳሕን ምምሕያሸን ስራሕ ብምስራሕ ኣብ ምህርቲ ምስሳንን ብዘምፅኦ ለውጢ ንስግግር ቴክኖሎጂ በሪ ኸፋቲ ብምኻኑ ኣብ ናይ ልምዓት ሓይልታት ምስላፍ ግደ እንትህልዎ በዚ ኣቢሉ ኣብ ናይ ሃገርና ልምዓት ተደማሪ ዓቅሚ ብምኻን እጃምና ምፅዋት ዘኽእል እዩ። ”ቅልጡፍን ቐፃላይን ምዕባለ ዘረጋግፅ ምዃን”ማለት ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዕዳጋ ብቐፃልነትን ብብቅዓትን ዝወዳደር፤ኣብ ዘየቃርፅ ናይ ምምሕያሽን ዕብየትን ጉዕዞ ዝኣተወ ኣብ ናይ መንግስቲ ልምዓት ተወሳኺ ዓቅሚ ኮይኑ ብሉፅነትን ምዕባለን ትግራይ ዝኹስኩስን ናብ ሃገራዊ ሓይሊ ዝቕይር ከይዲ ፤ ዝተውሃሃደን ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ማሕበረ ሰባዊ ፤ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂ ልምዓት፤ንዕብየት ደቂ-ሰባት ምብርካት ዓቕምታት ምብራኽ ዝፈጥር ህዝባዊ ልምዓታዊ ትካል ምግባር እዩ።
  • 11. 1/23/2023 11 ሓበራዊ ክብርታት (Core Values) ክብሪታት ማለት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ መግለፂ መንነት እዩ።እዚ መንነት ድማ ናብ ናይ ውልቀን ትካልን ስራሕ ከም ባህሊ ኣታኣሳሲርካ ከመይ ከም እትሰርሕን ዝሕብር እዩ። ኣብዚ “ባህሊ ማለት ወዲ ሰብ ከም አካል ማሕበረሰብ ብዓቅሚን ልማድን እቲ ማሕበረሰብ ዝቀሰሞ/ዝተምሃሮ ፍልጠት፤እምነት፣ ጥበብ ፣ሕጊን ልምዲ ካልኦትን ዝተሓላለኸ ምሉእ ስርዓት ዘካተተ እዩ” ። ስለዚ ናብ መንነትና ተመሊስና ክብርታትና ብምልላይ ምስ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ምዕባለታት ብምፅማር ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ። ክብርታትና ከም ሕላገትና ብምውሳድ ኣብ ስራሕትና ዝላ ምምፃእ እዩ። ከም ተጋሩ ቅድሚ 3 ሽሕ ዓመታት ዝነበሩ ሕዚ እውን ዝቅፅሉ ንመፃኢ እውን ከም መፍለይ መንነትና ዝኾኑ ክብርታትና ብዕቱብ ምጥቃም። ትካል ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ኣለዎ ምክንያቱም ኣብ ትካል ዝተኣኻኸቡ ሓይሊታት ትርጉም ዘለዎ ዓቅሚ ይፈጥር ።በዚ መሰረት ትካል ባህላዊ ክብርታት የቐፅል፣ ባህላዊ ክብርታት ሃገራዊ ሓይሊ ክረኽቡ ይገብር፣ እቶም ክብርታት ከይሽርሸሩ ይከላኸል። ትካል ሓድሽ ባህላዊ ክብርታት ይፈጥር። ትካል ናይ ማሕበረ-ሰብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያውን ማሕበረ-ሰባውን መስተጋብር ዝቓንዩ ናይ ፀወታ ሕግታት የቐምጥ።
  • 12. ክብርታትና ብምጥቃም ራእይን ልኡክን ተግባራዊ ንምግባር ስራሕትታትና ኣብ እንፍፅመሉ እዋን እንታይ ዓይነት ዉልቃዉን ትካላዊን ባህሊ ስነ ምግባርን ባህርታትን እንኽተል ወዘተ ዝበሉ ናይ ሓደ ትካል መሰረታዊ ባህሊ ዝግለፀሉ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ትካል ዝተጣየሸሉ ዋና ዕላማ ብኸመይ ከም ዝፍፅምን ኣብዙይ ከይዲ እዙይ ዋጋ ክወሃቦም ዝግበኦም ክብርታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ዘካተተ እዩ።
  • 13. 1/23/2023 13 1. ትሕዝቶ ትልሚ 1.1 መእተዊ 1.2 ትልሚ፤ልኡኽ፣ራእይ፣ክብርታት፤ ዕላማንሽቶን • ትልሚ ትልሚ ናይ ሓደ ትካል ማለት እቲ ትካል ባህጉ/ድልየታቱ ወይ ሕሉፍ ኣፈፃፅምኡ ገምጊሙ ንዝትረኸቡ ጥንካረ፤ድኽመት ከምኡ እውን ወድዓዊ ዕድላትን ስግኣትን ብምትንታን ንቀፃሊ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንክህልው እንርእየሉ መነፀር እዩ። ብተወሳኺ ትልሚ ንቐፃሊ ዝፈፀም ካብ ፅንስ-ሓሳብ ናብ ንድፊ-ሓሳባዊ ብምቅያር ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኩነታት እቲ ዝፍፀም መጠን ፣መዓዝ፣ ፈፃሚ፤ብከመይን ካልኦትን ዝብሉ ንምፍፃም ወዘተ ዝብሉ ዉሳነታት ስልታዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝውሰነሉን ነቲ ቀፃሊ ጉዕዞ መልክዕ ክሕዝን ኣንፈቱ ክንፀርን ዝገብር መሳርሒ እዩ። ብኻሊእ መዳይ መብዛሒትኦም ኣመራርሓ ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣብ ቁፅሪ ኣድሂቦም ኣፈፃፅማ ትልሚ ንምምዛን ወይ ንምዕቃን ከም ዝፅዕሩ ጌሮም ብጌጋ ዝግንዘቡ ኣለዉ።ኮይኑ ግና እዚ ሓደ ኣካል /ምናልባት እውን እቲ ዝተሓተ ጥቅሚ ዘለዎ /ናይቲ ሓፈሻዊ ከይዲ(ልምዓት ሓይሊ ሰብን ስግግር ቴክኖሎጂን) እዩ።
  • 14. 1/23/2023 14  ኣድላይነት ትልሚ ምትላም ማለት ንሕድሕድ ጉጅለን ውልቐ ሰራሕተኛን ዕላማታት መምርሕታት ኮርፖሬትን ኢንዳስትርን ንምዕዋት ዘኽእልዎ ትፅቢት ዝግበረሎም ሽቶታት ነፂርኻ ምቅማጥ ማለት እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ዝህልዎ ረብሓ ድማ ከም ዝስዕብ ይቐርብ፦  ትካል ንቕድሚት ክፍፅምም ብዛዕባ ዝሓሰቦም ፅንስ ሓሳባት ናብ ተግባር ዝቅይረሉ መስርሕ እዩ።  ዉስን ሃፍቲ ትካል ብዝተዋደደ (Optimization)ብምጥቃም ንውሳነ ብዝሕግዝ መልክዑ ሰኒዱ የቅርብ።  ኣብ መዓልታዊ፤ሰሙናዊን ወርሓዊን ፍፃመታት ከም ዋና ኣንፈት ሓበሪ ብምዃን ኩሉ ሰራሕተኛ ዝሰርሖ ስራሕ ትካል ክዓሞ ንዝሓዞ ትልሚ ዝድግፍን ንፍፃመ ሸቶ ዘቀላጥፍን ምኻኑ ንምርግጋፅ ይሕግዝ።  ኣብ መንጎ ኮርፖሬት መምርሕታት፤ ኢንዳስትር፤ ኮርፖሬት መምርሕታትን ኢንዳስትርን ናይ ስራሕ ምትእስሳር ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ብልምዓት ጉጅለ ኣቢሉ ሓበራዊ ስራሕቲ ይስርሑ ።  ትልሚ ናይ ሎሚ ሓደሽቲ ዕድላትን ፀጋታትን ተጠቂሙ ንፅባሕ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምምችቻው ይሕግዝ።  ንትካል መዋቅራዊ መሓውር ከም መሰረት ኮይኑ የገልግል
  • 15. 1/23/2023 15  ዓይነታት ትልሚ ትልሚ ዝብል ቃል ኣብ ዉሽጡ ብዙሓት ዝተፈላላዩ ዓይነታት ተግባራት ዝሓዘ ስፊሕ ቃል እዩ ። ትልሚ ብስልታዊ ብርኪ ፣ ብናይ ተግባር ብርኪ ፣ ብፕሮጀክት ብርኪ፣ ብትካል ወዘተ ምትላም ይከኣል እዩ ። እቶም ቀንዲ ዓይነታት ትልሚ ግና  ስልታዊ ትልሚን (Strategic plan)  ናይ ተግባር ትልሚን (Action plan) እዮም ስልታዊ ትልሚ ስልቲ ምስ ትልሚ ኣተሓሒዝና ንምርኣይ ሓደ ትካል/ዉልቀ ሰብ/ ሃገር ወዘተ ንዘለዉዎም ብድሆታት ወይ ድማ ክፍፅም ንዘሓሰብዎም ስራሕቲ ንምሽናፍ/ንምፍፃም ዝሕግዙ ነቲ ፍፃመ ተግባራዊ ንምግባር ወይ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዘኽእሉ ዝተፀንዑን ብስርዓት ዝተዋደዱን ናይ ኣፈፃፅማ ኣንፈታት፣ከይዲ ኣፈፃፅማን ወዘተ ዘካተተ ሜላ ማለት እዩ። ስልታዊ ትልሚ ትካል ናበይ ከም ዝኸይድ ሓባሪ መስርሕ አዩ። ስለዚ ስልታዊ ትልሚ ማለት ሓደ ትካል ንዘለዎዉዎ ናይ ነዊሕን ማእኸላይን እዋናት ሸቶታት ተግባራዊ ንምግባር ብኸመይ ዝበለ አከያይዳ እንተኸድኩ እየ ፀገመይ ዝፈትሕ ወይ ድማ አብ ዝተለምክዎ ብርኪ ዝበፅሕ ኢሉ ዝኽተሎ ኣከይዳ ስርዓት ብዘለዎን ብዝተዋዳዳን ብዝተነፃረን ከምኡ ድማ እዋናዉን ናይ መፃኢን ኩነታት አብ ግምት ዉሽጢ ብዘእተወን ናይ ዉሽጢ ጥንካረን ድኽመትን፣ ደጋዊ ዕድላትን ስግኣታትን ብዝፈትሽ መንገዲ ኣንፈት ኣፈፃፅማን ዝሕንፀፀሉን ከይዲ እዩ። ብኻሊእ መዳይ ስልታዊ ትልሚ ቀንዲ ትኹረቱ ናይ ትካል ራእይ ፣ልኡኸን መሰረታዊ ዕላማታት (ሽቶታት) ዝፍሙሉ ስልቲ ምሕንፃፅ እዩ ።
  • 16. 1/23/2023 16 ፕሮዳክሽን ትልሚ (Production Plan) ትልሚ ናይ ትካል መስረታዊ ትኹረታትን ቅድሚያ ዝዉሃቦም ዛዕባታትን ኣብ ሽቶን ዕላማን ትካል ኣጉሊሁ ብምዉፃእ ንኣፈፃፅማ ዕላዊ ንምግባር ናብ ምህርቲ መምርሒ/ክፍሊ በቢብርኩ እስካዕ ሾፕ ፍሉር ብምውራድ ከከም ናይ ስራሕ ባህሪ ብጥማር(Batch) ወይ ነፀላ ዝስርሑ ስራሕቲ ብምንፃርን ነዚ ዘድልዩ እታወታት በቲ ናይቲ ምህርቲ ክፍሊ ዓቅሚ ተመጢኑ ብዝፍፀመሉ ክፍለ ግዜ ተሸንሺኑ (ናይ ዓመት ፃኒሕት እዋን)ብምቅራብ ዝስራሕ እዩ። መዓልታዊ ፍርያት መከታተሊ ቅጥዒ- Master Production Schedule (MPS) እዚ ትልሚ ካብ ፕሮዳክሽን ትልሚ ዝፈሪ ምህርቲ ብበዝሕን ዓይነትን ኣለሊኻ ብምውፃእ በቢመዓልቱ ተሸንሺኑ ዝቐርበሉ ዓይነት ትልሚ እዩ። ኣብዚ ትልሚ (MPS) ከም እታወታት ዝጥቀመሎም መሸጣ ትእዛዝ(sales order)፤ቐረብ ጥረ ኣቅሑን ማሽናትን ምስ ህልዊ ኩነታት ብምውዳድ ዝስራሕ ዝርዝር ስራሕ እዩ። ኣድለይቲ እታወታት-Material Requirement Planning (MRP) ኣጠቃቅማ እታወታት ከም ትልሚ ዝዳለው ንፕሮዳክሽን ኣፈፃፅማ ትልሚ ሓጋዚ ኮይኑ ዝቐርብ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምህርቲ/ግልጋሎት እዋን እታወታት ዝኾኑ ጥረ- ኣቅሑትን ካብ ዕደጋ ዝዕደጉ ዝርዝር ማተርያላትን ብግዜ ሰሌዳ ተዳልዮም ንተጠቃሚ ኣካላት ምህርቲ ወይ ግልጋሎት ኣብ ዝፈርየሉ/ዝወሃበሉ ክፍለ ግዜ ንሕድሕድ ምህርቲ ዘድሊ ማተርያል ብዝተመደበሉ በጀትን ግዜን ንክቐርብ ዝሕግዝ ሜላ ኣተላልማ ስርዓት እዩ። Capacity Requirement Planning (CRP) ሓደ ከይዲ ስራሕ ምህርቲ/ግልጋሎት ስራሕ ንምስራሕ ዘድሊ ዓቀን(Capacity) ማተርያል፤ማሸን፤ሰብ ሓይሊ ከምኡ እውን ናይ መስርሒ ቦታ ቀረብን ፕሮሰስ ስራሕን ብምንፃር ንተጠቃሚ ኣካል ወይ ዓሚል ድልየት ንምርዋይ ዝዳለው ዓይነት ትልሚ እዩ።
  • 17. 1/23/2023 17 ኣመራርሓ -ፅንስ ሓሳብ ኣብ ዝልዓለ ናይ መሪሕነት ዕብየት ብርኪ ዘለዉ መራሕቲ ዝሓሸ ናይ ስትራተጂካዊ ምሕሳብ፣ ምትእስሳርን ምውህሃድን፣ ጎንፅታት ምእላይ፣ ፀገማት ፈጠራዊ ብዝኾነ መነፅር ምውቓር ዓቕምታት ኣለዎም። ናይ መራሕቲ ዕብየታዊ ብርኪ (developmental stage) ኣብ ናይ መራሕቲ ናይ ምትዕፅፃፍ (leadership agility) ዓቕሚ ወሳናይ ግደ ኣለዎ። ናይ መሪሕነት ናይ ውስብስብነት ብርክታት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ብርኪ (Level) ምልከታ (Orientation) እምነት (Core Beliefs) ናይ ንቕሓት ብርኪ (Level of awareness) ክኢላ (Expert) ታክቲካል ፀገም ናይ ምፍታሕ ኣጠማምታ(tactical problem solving) ታክቲካል ውፂኢት/ (Provisional output) ናይ መራሕቲ ክብሪ / ሓይሊ ምንጪ ክኢላነትን ስልጣን (position) እዩ ኢሉ ይኣምን፣ ዋና ሕቶ ቁልፊ ፀገማት ምፍታሕ እዩ (Solve key problems) መጠነኛ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ (modest reflective capability)፣ ጠንካራ ናይ ፀገም ምፍታሕ ዝንባለ/ምእዘና (a strong problem- solving orientation)፣ ነፃ ዝኾነ ናይ ምስትንታንን ምሕሳብን ዓቕሚ ለውጢ ናይ ምብሃግን ምቅባልን ዝንባለ Effectiveness focus ፈፃሚ (Achiever) ስትራተጂካዊ ውፅኢት (Strategic Outcome) ኣጠማምታ ንኻልኦት ንምንቕቓሕ ስራሕ በዳሂን ምስ ዓብይ ዓላማ ምትእሳስር የድሊ ኢሉ ይኣምን፣ ዋና ሕቶ ዘድልዩ ውፅኢታት ምስኻዕ (Achieve desired) እዩ። outcomes) ዓሚቕ ናይ ምስትንታን ዓቕሚ፣ ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ ረቂቕ ቁም-ነገራትን ርክባትን ምስትውዓል ዘኽእል ዓቕሚ ፣ ብዛዕባ ባዕልኻ፣ ሰባት፣ ትካላትን ኢንድስትሪን ናይ ምስትንታን ዓቕሚ ምህናፅ ይሰፍሕ ከባቢኻን ዓለም ለኻዊ ተርእዮታት ናይ ምግንዛብ ዓቅሚ Efficiency focus (Leadership Agility: Five levels of Mastery for Anticipating and initiating change, Stephens A. Josephs and Wiliam B. Joiner, 2006) -----
  • 18. 1/23/2023 18 ኣመዛዝና ውፅኢት ትልሚ (Measuring Result) ዕላማታትን ሽቶታትን ትልሚ ውፅኢት ንምዕዋት ትፅቢት ዝግበረሎምን ዝርከቡ ውፅኢታት(Results) ብሰለስተ ተፈልዮም ዝልክዑን ዝግምገሙን እንትኾኑ እዚኦም ድማ፦  ሽቶ (Outputs)  ዕውትነት ዕላማ(Outcome)  ዕውትነት ሽቶ ዘርከቦ ለውጢ (Impact) ተባሂሎም ይሽረፉ። 1. ሽቶ(Output, accomplishment) ዝበሃሉ ፍርያት/ግልጋሎት ናይ ሕድሕድ ክፍሊ ወይ ሰራሕተኛ ከም መደብ ብዝርዝር ተቆፂረን ዝተውሃባ ስራሕቲ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ዝርኣየሉ ብርኪ እዩ። ብኻሊእ መዳይ ሽቶ(Outputs) ብትልሚ ዝተትሓዙ መደባት እንትፍፀሙ ሽዑንሽዑ ዝርከቡ ምህርትታት/ግልጋሎት እንትኾኑ ምስ እታወታት ከይዲ ስራሕን ተዋዲዶም ምስተፈፀሙ ንተገልገልቲ ወይ ተጠቀምቲ ዝቀርቡ ምህርትታት/ግልጋሎት ዝግለፀሎም መለክዕታት እዮም። መዐቀንትታት/ኣመላከቲ ሽቶ(Outputs) ከም ኩነታት እቲ ትልሚ ብመጠን(quantity)፤ብፅርየት (Quality)#ገደብ ግዜን (timeliness) ወፃእን (Cost-effectiveness) ዝግለፁ ክኾኑ ይግባእ። ሕድሕድ ዓይነት መለክዒ ብዝግባእ ንምግንዛብ ዝስዕቡ ኣብነታት ምስትብሃል ይጠቅም፦  ብዝግባእ ዝሰርሕ ሶፍትዌር ፕሮግራም ምቅራፅ  ዝተውሃበ ትክክለኛ ሓገዝ ንዓሚል  ክፋል ስራሕቲ ፋብሪኬሸን ወይ ፕሮጀክታት ፍፃመ (Semi finished products/Services)  ዝተማለአን ትክክለኛን ፀብፃብ ምድላው
  • 19. 1/23/2023 19 2. ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ዝበሃል ድማ ናይቲ ትካል ፍርያት ወይ ግልጋሎት ወይ ድማ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፅልዋ ዘለዎም ግዳማዊ ጉዳያት ዘርክብዎ ናይ መወዳአታ ውፅኢት ማለት እዩ።ብተወሳኺ ውፅኢት ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ሽቶ (Output) ዝተሓሰበሉ ሽቶ ምዕዋቱ ወይ ምርካቡ ዝግምገመሉ መዐቀኒ ሮቃሒ እዩ። እዙይ ማለት ከም ባህሪ ትልሚ ካብ ሽቶ (Output) ቐፂሉ ደድሕሪኡ ወይ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ሓፂር ወይ ማእኸላይ ግዜ ዝርከብ ውፅኢት(Result) እንትኾን ዕላማ ትልሚ ምዕዋቱ ዘርኢ መዐቀኒ እዩ። ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ዘመልክቱ ወይ ዝዕቅኑ እዮም። መዐቀኒ ወይ ሓበርቲ ዕውትነት ዕላማ መብዛሕትኡ እዋን ትልሚ ምስ ተፈፀመ ከከም ባህሪ ትልሚ ወይ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ውፅኢት ሽቶ ስትራተጂክ ትልሚ ዝምዘነሉ ኣመላኻቲ እዩ።ካልኦት ኣብነታት ንምጥቃስ፦  ዝተማሓየሸ ናይ ዓሚል ዕግበት  ኣብ ክልቴኣዊ ረብሓ ዘድሃበ ናይ ትካላት ስራሕ ምትእስሳር ኣፈፃፅማ  ምህርቲ ምስሳን  ምትእትታው ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት
  • 20. 1/23/2023 20 3. ትልሚ ዘስዕቦ ለውጢ (Impact) ትልሚ ዘስዕቦ ጥቅሚ ወይ ለውጢ (Impact) ዕውትነት ዕላማ ትልሚ ዘምፅኦ ሓፈሻዊ ውሽጣዊን ግዳማውን ፅዕንቶ ወይ ደማ ለውጢ ዘመላኽት እንትኸውን ከም ባህርን ኩነታት ትልምን ኣብ ዝተወሰነ እዋን ወድያውኑ ወይ ብሓፂር ወይ ብነዊሕ እዋን ክፍለጥ ይኽእል እዩ። ሓደ ትልሚ ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ምስተረጋገፀ ዝርአ ፅዕንቶ ወይ ዝርከብ ለውጢ ብምኻኑ ከም ኩነታቱ ትካል ፅንዓት ኣካይዱ ክፈልጦ ወይ ብተጠቀምቲ ከረጋግፅ ይኽእል እዩ። ኣብነት ”- ኣብ ሓደ ዓመተ እዋን ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽቶ ምስሳን ምህርቲ እንተተዓዊቱ እዚ ትልሚ እዚ ምፍፃሙ ብነብሲ ወከፍ እቶት ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ መንጎ መዐቀንታት ወይ ሓበርቲ እታወታት፤ከይዲ ስራሕ ሽቶ(Output) ዕውትነት ዕላማ (Outcome) ዘስዕቦ ረብሓ ወይ ለውጢ(Impact) ዘሎ ሓድነትን ኣፈላላይን ብግልፂ ንምርዳእ ቐፂሉ ዝተመልከተ ስእላዊ መግለፂ ምግንዛብ የድሊ።
  • 21. 1/23/2023 21 ትልሚ ትሕቲ ዓቅሚ ፈፃሚ ኣካል ክኸውን የብሉን ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝዳሎ ትልሚ ትሕቲ ዓቅሚ ፈፃሚ ወይ ድማ ዝነኣሰ ክኸውን የብሉን።ብብርኪ ትካልን ኢንዳስትርን ዝዳሎ ትልሚ ብምህዞ/ፈጠራ ፤ብዓርሰ ተበግሶ ክበፅሓሉ ዝኽእል ዑቅር ውፂኢት ንምርካብ ስትራተጂካዊ ሽቶታትን ትልምታትን ደረጃ ብደረጃ ንምዕዋት ዘኽእል ክኸውን ይግባእ። ነዚ ድማ ከም ውሽጣዊን ወድዓዊን ኩነታት ብጭቡጥ ዝዳህሰሰን ናይ ትካል ናይ ምፍራይ ዓቅሚ (capacity requirment plan) ዘገናዘበ ምኻኑ ምርግጋፅ። ብጭቡጥ ዘገድዱ ኩነታት እንትህልዉ ትልሚ ክክለስን ክማሓየሽን ይኽእል እዩ ዝኾነ ይኹን ትልሚ ብጭቡጥ ዘገድዱ ኩነታት እንተጋጥም ክክለሰን ክማሓየሽን ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ዝተፈላለዩ ስትራተጂታት ብምሕንፃፅ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዘየተዓናቅፍን ኣገዳሲ ኩነታት ክምክት ዘኽእል እንተኾይኑ ትልሚ ብቀሊሉ ምክላስን ምምሕያሽን ኣየድልን። ውሽጣዊን ግዳማውን ኩነታት ብዝግባእ ተተንቲኖም ዝግባእ ስትራተጂታት ብትኽክል እንተተሓንፂፆም ትልምታት ብቀሊሉ ከይክለሱ ዘኽእል ካብ ምኻኑ ንላዕሊ ኩነታት ዘገድዱ እንትኾኑ ስትራተጂታት ብኣግባቡ ምቅያስን ምስ ዝለዋወጡ ኩነታት ባዕልኻ ብምጥዕዓም ትልሚ ምፍፃምን ምዕዋትን ይከኣል እዩ። እዙይ ዓይነት ኣሰራርሓ ብቅዓት ኣመራርሓ የመልክት እዩ። ስለ ዝኾነ ትልሚ ብዘይ ብቁዕን ጭቡጥን ኩነታት ኣድላይ ኮይኑ ከይተረኸበ ብቀሊሉ በቢእዋኑ ክቅየር የብሉን።
  • 22. 1/23/2023 22 ውፂኢት ኣፈፃፅማ ትልሚ ብግዜ ገደብ ክግምገም ኣለዎ ትልምታት መምርሒ ኮርፖሬትን ኢንዳስትርን ከይተዓናቐፉ ብብቅዓትን ዕውት ብዝኾነ ኩነት ክፍፀሙ ንምግባር ዘየቃርፅ ክትትልን ሓገዝን ብምግባር ፈፀምቲ ንውፂኢት ንምብቃዕ ብዝተተሓዘሉ መርሃ ግብሪ ገምጋም ምክያድ ካብ ናይ ትልሚ ክያዶታት ሓደ ምኻኑ ምርዳእ ። ዝምዘን ውፅኢት ትልሚ እምበር ሰብ ዘይምኻኑ ምግንዛብ እስካብ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ስራሕ ሰራሕተኛ ዝብል ሓረግ ዝጥቀም ስለ ዝኾነ እቲ ኣሰራርሓ ባዕሉ ውፅኢት ትልሚ እንተይኮነስ ሰብ ናብ ምዕቃን ድሑር ልምዲ ዘንፀባርቅን ብሕልና ሰብ ናብ ምምዛን ዘባል ኣተሓሳስባ እዩ። ብምክንያት እዚ ካብ መበገሲኡ ውፅኢት ናብ ምምዛን ዕላማ ዘይጠመተ ብምኻኑ ስምዒታውን ጭቡጥ ዘይኮነ ብምዕቃን ንዝለዓለ ነኻል ዝፈጥር ኣመላኻኽታ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ኣሰራርሕኡ ውፅኢት ከዳኸም ዝፀነሐ ምኻኑ ዘጠራጠር ኣይኮነን። ብመሰረት እዚ መዐቀኒ ውፅኢት ስራሕ ኣፈፃፅማ ትልሚ ክዕቀን ዝግባእ ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ብምምርካስ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ትልሚ እምበር ሰብ፤ጉጅለ፤ዘፈር ስራሕ ወይ ድማ ትካል ኣይኮነን። መሰረት ሓሳብ ዕላማ ኣመራርሓ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሰብ ምዕቃን እንተይኮነስ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ትልሚ ምዕዋትን ምዕቃንን እዩ።
  • 23. 1/23/2023 23 ዕላማ (Goal) ዕላማ ማለት ትካል ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ክዓሞ ኢልካ እትትልሞ ስራሕ እዩ። ብሓፈሻ ዕላማ ኣብ መንጎ ልኡክቶን (ናበይ ከም ዘብል)ራእይን (ክኸውን ዝደልዮን) ዘሎ ክፍተት ብምምላእ(ብምትእስሳር) መሰረታዊ ዝኾኑ ዓበይቲ ፍፃመታት ዝሕንፀፀሉን ናይቶም ዕላማታት ፍፃመ ምርካብ ድማ ንፍፃመ ልኡክቶ ዕውትነት ከም መረጋገፂ ተገይሮም ዝወስዱን እንተኾኑ ብባህሪኦም ግና ዓበይትን መሰረታውያንን ፍፃመታት እዮም።  ሽቶ (Objectives) ሽቶ ማለት ዕላማ ከመይ ኢሉ ናብ ተግባር ክሽረፍን ክብፃሕን ዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ብርኪ ስልታዊ ትልሚ እዩ። ሽቶ ካብ ዕላማ ዝፍለየሉ ብፉሉይ ብቁፅሪ ዝግለፅ ተዓቃናይ (SMART)ምኻኑ እዩ።እዚ ናይ ዓንዲ መፈፀሚ ኮይኑ ምዕባይ፤ ምምሕያሽ፤ ምምዕባልን ምህናፀን ወዘተ ብዝብል ትርጉም ዝግለፅ ስራሕቲ ብዒላማታት ጎጂሉ ዝሓዘ እዩ።  ዒላማታት(Targets)፡-ንተግባራት በብጉጅለ ወዲብካ ንምቕማጥ ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሽቶ ዝተተለሙ ስራሕቲ ብዝዕቀን መንገዲ ዝግለፅሉ ብርኪ ትልሚ እዩ፡፡  ቀንዲ ተግባራት(Main Activities)፡-ዒላማ ንምዕዋት በብእዋኑ ዝፍፀሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ምትላም ስራሕቲ ዝዳለው ዝርዝር ተግባራት እዮም፡፡
  • 25. 1/23/2023 25 ( Vision) - 3 ( Goal- 3) - 2( Objective- 2) ( Mission) - 2( Goal- 2) - 1( Goal- 1) - 1( Objective- 1) 10% - 3( Objective- 3) - 1( Target- 1) / - 3( Target- 3) 90% - 2( Target- 2) - 1 - 3 - 2 / Act ion Plan ( Enabeler s) ( Enabeler s) Page 1
  • 26. 1/23/2023 26 ዕላማ፦ ምህርቲ ምስሳን/ወፃኢ ምቅናስ ሽቶ ፦መፍረያይነት ብ15% ምዕባይ ዒላማ1.፦ ኣብ መዓልቲ 7 ናይ ደረቅ ተስሓብቲ ምፍራይ ዝርዝር ተግባራት  ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብ ምስትኽኻል  ከይዲ ስራሕ ፍሰት ምዕሩይ ምግባር  ክብሪ ወሰኽ ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ምውጋድ ዒላማ2፦ ናይ ዕዳጋ ብፅሒት 90% ምግባር ዝርዝር ተግባራት  ሓደሽቲ ፓርትነራት ምፍጣር  ናይ ዕዳጋ መዳረሻ ቦታታት ምስፋሕ  ናይ መፍረይ ወፃኢ ምቅናስ (Operating cost) ዒላማ3፦ ናይ ወፃኢ ቅነሳ ስልቲ ምትእትታው ዝርዝር ተግባራት  ከይዲ ስራሕቲ (Process flow) ዝተቐላጠፈን ስሉጥን ምግባር  ክብሪ ወሰኽ ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ምውጋድ ዒላማ4፦ ናይ እታወታት ኣቅርቦት ንምህርቲ ዕንቅፋት ከምዘይኸውን ምግባር ዝርዝር ተግባራት  ናይ ዕደጋ ቐረብ ጥረ ኣቅሑ ብዝተቀመጠሉ ግዜ ገደብ ክቐርብ ምግባር  ተኣመንቲ መቅረብቲ ኣለሊኻ ናይ ስራሕ ውዕሊ ሰነድ ምፍርራም  በቢእዋኑ ናይ ዕዳጋ ፅንዓት መረዳአታ ምሓዝ ዒላማ5፦ ተኣከብቲ ሒሳባት ብእዋኑ ምፅፋፍ ዝርዝር ተግባራት  ናይ ስራሕ ውዕላት ብመሰረት ውዕሊ ኮንትራት ብእዋኑ ክዕፆ ምግባር  ብውዕሊ መሰረት ካብ ቅድመ ክፍሊት ክሳብ 1ይን 2ይን ክፍሊት ብእዋኑ ምእካብ  ውዝፍ ዕዳታት ናይ ምትዕራቅ ስራሕቲ ምስራሕ
  • 27. 1/23/2023 27 ጥማር ዳህሳስ ህልው ኩነታት እዚ ኣብ ዙርያ ውሽጣውን ደጋውን ዳህሳስ ህልውን መፃእን ኩነት ትንተና ምስ ተኻየደ ተፀሚቁ ዝቀርብ ዳህሳስ እዩ፡፡ 1. ውሽጣዊ ኩነት ዳህሳስ (Internal Situational Assessment) እዚ ኣብ ናይ ትካል ውሽጣዊ ገምጋም ክዕቀቡ ዝግብኦም ጥንካረታትን ክስተኻኸሉ ዘለዎም ድኽመታትን ዘተኮረ ይኸውን፡፡ኣብዚ ዝግበር ዳህሳስ ን5ቲኦም ስትራቴጂያዊ ዓንድታት ብኣንፃር ቴክኖሎጂ፣ፋይናንሻልኩነታት፣ብቕዓትኣመራርሓ(ማናጅመንትን)፣ፍርያትን ግልጋሎትን፣ውሽጣዊ ስራሕቲ ዕደጋ፣ብፅሒት ዕደጋ፣ትካላዊ ኣወዳድባ፣ባህሊ ስራሕ፣ምህዞን ፈጠራን፣ፊዚካል መሳለጥታትን ካልኦትን ዘማእኸለ እዩ፡፡ ሰደቓ ሀ፣ትንተና ውሽጣዊ ጥንካረን ድኽመትን ስትራተጂካዊ ዓንዲ ጥንካረ (Strength) ድኽመት (Weakness) ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ናይ ኢንቨስትመንት ተኽእሎ ምትእስሳር Difference between Strategic pillars and Four pillars Analysis(Atitude, Skill,Input and system) ?
  • 28. 1/23/2023 28 2. ደጋዊ ኩነት ዳህሳስ (External Situational Assessment) ኣብዚ ህልውን መፃእን ኩነታት ትካልና ብመንፅር ደጋዊ ኩነታት (PESTL) ዝድህሰስ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብነት፦ ፖለቲካዊ ኩነት  ኣብ ፖሊሲታት ስታራተጂታትን ዘለዉ ዕድላትን ስግኣትን እዚ መንግስቲ ንቢዝነስ ብፍላይ ድማ ንመፍረያይ ዘርፊ ንምትብባዕን ምድጋፍን ዝሕንፅፆም ፖሊሲታት ፣ ፕሮግራማትን መደባትን ብምኽንያት ቢሮክራሲን ክራይ ኣካብነትን ኣብ ኣፈፃፅማ ዝህሉ ዓንቀፍቀፍ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ብምድህሳስ ንቀፃሊ ትልሚ ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቲኻ ምስራሕ።  ሰላምን ድሕንነት ብዝምልከት ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢምና ንዘሎ ብርሰትን ዕንወትን በዚ ኣቢሉ ንዝፍጠር ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋን ኣብ ከባቢና ዝህሉ ለውጢ ንሰላም ጠንቂ ዝኾኑ ፀገማት ብኣግባቡ ብምትንታን ናብ ረብሓ ኣብ ምቅያር ዝህሉ ተፃብኦታት ምርኣይ።  ካልኦት ተወሰኽቲ ኢኮኖሚ(ማክሮን ማይክሮን)  ዓለማውን ሃገራውን ዕብየት ኢኮኖሚ ዝምልከት ኣብ ትግራይ ንዝህሉ ዳግመ ህንፀት ንዚ ዕድል ብብቕዓት ክንጥቀመሉ ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢርና ብቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ስግግር ብምምፃእ ምስ ዓለማዊ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ዘኽእል ኩለ መደያዊ ምርብራብ ዘድሊ ምኻኑ፡፡  ማእኸላይ ነፍሰ ወከፍ እቶት  ኩነታት ውድድር ዕደጋ  ናይ ቅርሺ ምግዛእ ዓቕሚ  ሚዛን ንግዲ ኣታውን ሰደድን  ግብሪ መንግስቲ  ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ  መጠን ወለድ ወዘተ… Difference between SWOT and PESTL Analysis ?
  • 29. 1/23/2023 29 ማሕበራዊ  ትምህርትን ስልጠናን  ተመሓላለፍቲ ሕማማትን  ሜላ መነባብሮን ባህልን ማሕበረ ሰብ፣ወዘተ ቴክኖሎጂያዊ (ማሽነርን ካልኦት ሃርድዌርን ሶትዌርን)  ሜላታት ግልጋሎት ኣወሃህባ  ሓደሽቲ ውፅኢታት ፈጠራ  ሓደሽቲ ሜላታት/ምህዞታት ስራሕ  ምውናን ሓደሽቲ ማሽነሪታትን ካልኦትን ወዘተ ከባብያውን ተፈጥራውን  ኩነታት ስነ ምህዳር  ምሕደራ ብኽለት /ኣጠቓቕማ ደረቕን ፈሳስን ጓሓፍ/  ቅርበት/ራሕቒ መስመራት ንግዲ፣ ወዘተ/ ሕጋዊ (Legal) ኩነታት  ሕገ መንግስቲ  ኣዋጃት፣ደንብታት፣መምርሕታትን  ሕጊ ተንከፍ ስምምዓት/ውዕላት፣ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን ትንተና ንኩባንያ ዘለዎም ፅልዋን ክውሰድ ዝግብኦ መፍትሒ ሓሳብን ብምጥቋም ዝቕመጥ ይኸውን፡፡
  • 30. 1/23/2023 30 3. ምንፃር ፅሟቕ ዕድላትትን ስግኣታትን ትካልና ብዋናነት ካብ ደጋዊ ኩነት ትንተና ናብ ረብሕኡ ክቕይሮም ዝግባእ ዕድላትን መፍትሒ ክቕመጠሎም ወይ ጥንቃቀ ክግበረሎም ዘለዎም ስግኣታትን ከም ዝስዕብ ክንፀሩ ኣለዎም፡፡ ሰደቓለ፣ፅሟቕ ደጋዊ ትንተና ዝግምገም ርእሰ ጉዳይ ዕድላት(opportunities) ስግኣታት(Threats) ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ቴክኖለጂ 4. ምንፃር ዘኸእሉን ዝሓንቁን ዛዕባታት (Enablers & pains) ኣብዚ ዝቕመጡ ዛዕባታት ካብ ውሽጣውን ደጋውን ኩነት ትንተና ውሽጢ እቶም ኣብ ሰደቓታት ‘ሀ’ ን ‘ለ’ን ዝተገለፁ ሓሳባት ኣብ ዓመታዊ ትልሚ ክካተቱ ዝግብኦም ከም ዓቕምን ማሕነቖን(Enablers & pains) ምፍፃም ትልሚ ኮይኖም ዘገልግሉ ቀንዲ ጉዳያት በቲ ኣብ ታሕቲ ሰደቓ ‘ሐ’ ዘሎ ስልሒት መሰረት ብንፁር ንምፍላይን ንምትላምን ተባሂሉ ዝካየድ እዩ፡፡ ጥንካረ+ዕድል=ዘኽእል ኩነታት ድኽመት+ስግኣት= ፈታኒ ኩነታት ሰደቓ ሐ፡ ኣብ ዓመታዊ ትልሚ ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያት ምፍላይ
  • 31. 1/23/2023 31 ስእሊ፦ኣብነት ንፈታኒ ኩነት ምፍታሕ ዘኽእል ኣከያይዳ
  • 32. 1/23/2023 32 5ተ ስትራተጂክ/ዓንድታት ትካልና ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝወነነን ዘላቒ ኩለመዳይ ዕብየት ዘመዝግብን ክኸዉን እንተተደልዩ ፈለማ እቲ ትካል ዝምርሓሉ ከም መወዳደርይ ኣንፈት እዩ ዝብሎ ፖሊሲን ስትራተጂን ብሕንፃፅን እዚ ድማ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ንኹሉ ዘማእኸለ ስርዓት ትልሚ ንክህልዎ ወሳኒ እዩ። ካብዚይ ብምብጋስ ብማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምት ከም ዋና ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ዝተነፀሩ መሳርሕታት ህንፀት ልምዓታዊ ኢንዳስትሪ ሰራዊት፣ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ፣ምፍራይ ተኽእሎ ምፍጣር፣ኢንቨስትመንት ተኽእሎ ምፍጣርን ተኣሳሲርካ ምስራሕን (Synergy) ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚኦም ዝርዝር መረዳእታን ኣተገባብራን ከም ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡
  • 33. 1/23/2023 33 1. ህንፀት ልምዓታዊ ኢንዳስትሪ ሰራዊት ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት እንትበሃል አብቲ ኢንዳስትሪ ዘሎ ሓይሊ ሰብ ኩሉ ብኣረኣእይኡን/ምልከትኡ ኣተሓሳስብኡን፣ብፍልጠቱን ክእለቱን ንጡፍ፤ኣወዳድበኡን ኣስራርሑኡን ዝፈልጥ ፤ ንስርሑ ዘድልዮ እታውትን መሳርሒን ፈሊጡ ብእዋኑ ዘዳሉን ፤ መሰሉን ግቡኡን ፈሊጡ ተወዲቡ ብትልሚ ዝምራሕ ፤ ናይ ትካል ሸቶ ብምዕዋት ተረባሓይነቱ ዘረጋግፅ ሰራሕተኛ ብምፍጣር ቀፃሊ ለውጢ ንምምፃእ ዝሰርሕ ከይዲ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰራዊት ዝህነፅ ብዕላማ (Purpose) እዩ። ዕላማ ዘለዎ ሰብ፣ንምንታይ፣ ንመን፣አንታይ ንምዕዋት…. ወዘተ ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ብኣግባቡ ክርዳእ ይግባእ። ብዕላማ ዝነብር ፣ንዕላማ ዝነብር ህዝባዊ ልእኸ፣ ሃገራዊ ልእኸ ናይ ታሪክን ባህልን ሓደራ ዝተሸከመ ሰራዊት ልዕሊ ኩለን ቅድሚ ኩለን ህዝባዊን ሃገራዊን ረብሓ ዘቅድም ቅድሚ ነብሱ ንህዝቡ ዝሓስብ እዩ። እዚ ሰራዊት ኩሉ ነገር ብኣንፃር ዝተሸከሞ ህዝባዊ ዕላማ ስለ ዝዕቀን ነዚ ንምዕዋት ኣብ ልዕሊ “ፈንጂ” ዝረግፅ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ድማ ብታሪኩ ፣ሐዚ’ውን ፣ንቀፃላይ ውን በዚ ተግባር እዙይ ዝፍለጥን ዓለም ዘስደመመን’ዩ። ስለዙይ ሰራዊት ክህነፅ እንተሎ ብዕላማ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ብደንቢ ክእመነሉ ይግባእ። ናይ ልምዓት ሰራዊት ክንሃንፅ እንተለና ድማ ብፍልስፍና ህንፀት ሰራዊት ትግራይ ይኸውን።
  • 34. 1/23/2023 34 1. ናይ ኣተሓሳስባ ዓቅሚ ብከመይ ይህነፅ  ንመንን ንምንታይን ዕላማ ሰራዊት ከም ዝህነፅ ዘሎ ክርዳእ ሰፊሕ ስራሕ ምስራሕ  ረብሓን ውፅእትን ኣብ ውልቀ ይኩን ኣብ ህዝቡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገሩ ክርዳእ ምግባር  ግልፅነት ፍትሓዊነት ኣስታፋይነት ዘረጋግፅ መስርሕ ምህናፅን ናብ ተግባር ምቅያርን 2. ቴክኒካዊ ዓቅሚ ምዕባይ፡-  ዕላምኡ ዝፍለጥ ንዕለላምኡ ዝስዋእ ብኣተሓሳባ ቡሉፅ ሰብ ምፍጣር ቁልፊ ኮይኑ ቴክኒካዊ ዓቅምታቱ /ክእለቱ/ ንክዓቢ ክፍተት ተፀኒዑን ብሉፅ ተሞክሮታት ክቐስም ብምግባር ናይ ምብቃዕ ስራሕ ክሰራሕ ኣለዎ።(Based on need assessment)
  • 35. 1/23/2023 35 ብመሰረት እዚይ ልምዓታዊ ኢንዳስትርያለዊ ሰራዊት ተሃኒፁ ዝበሃል  ንዝወፁ መደባትን ፕሮግራማትን ብዕቱብ ዝድግፍ(ከተማ ሕርሻ፤ካይዘን ኢኣርፕን…)  ናይ ትካልን ዓሚልን ጠለባት ብቕዓትን ዉፅኢትን ብዘለዎ መንገዲ ዘዕግብ፣  ንግዕዙይ፣ በለፀኛ፣ መምሰሊን ክራይ ኣካቢ ተግባራትን ኣተሓሳስባን ንምዕፃዉ ዝወፁ ሕግታትን መምርሕታት ኣሰራርሓታትን ብትኽክል ዝቕበልን ዘተግብርን፣  ንዝተመደበሉ መደብ ስራሕ ዝምጥን ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዝጨበጠ ንዘለዉዎ ክፍተት ክእለት፣ ፍልጠትን ንኽመልአ ልዑል ዓርሰ ተበግሶ ዘለዎን ብልዑል ወነ ዝፅዕርን፣  ዘለዉዎ ብሉፃት ተሞክሮታት ናብ ካልኦት መሰርሕቱ ዘጋፍሕን ብናይ ሓባር ስራሕ ኣድማዕነት (Team Spirit) ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ኣብ ዉሽጢ ትካል ዘለዉ ይኹን ካብ ትካል ወፃኢ ብሉፃት ተሞክሮታት ብምቕሳም ቀልጢፉ ኣብ ተግባር ዘዉዕል ወዘተ…
  • 36. 1/23/2023 36  ብኣረኣእያ  ህዝባዊ ትካል ምኻኑ ዝርዳእ  መንነቱ ክፈልጥ ምግባር (ትግራዋይነት)  ሓፈሻዊ ድሕረ ባይታ ናይቲ ትካል ምፍላጥ  ናይ ትካልና ራእይን ልእኹን ብዝግባእ ክርዳእ ምግባር  ናይ ትካል ክብርታት ዓቂቡን ኣማዕቢሉን ዝኸይድ  ትካል እንትዓቢ ተረባሓይ ምኻኑ ዝርዳእ  ብፍልጠት /ክእለት ምዕባይ  ተምሃራይ ምኻኑ ዝኣምን  ብሉፃት ተመክሮ ዘጋፍሕ  ተሞክሮ ልውውጥ ዝገብር  ብፃይነትን ሓቢርካ ምስራሕን(Team Spirit) ዝኣምን  እናሰረሐ ዝስልጥን /On job training  ብQuality circle ምምህሃር ኣሚኑ ዝሰርሕ(Problem discussion)
  • 37. 1/23/2023 37 2. ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ ትካላዊ ዋንነት ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ሓደ መሰረታዊ ስትራተጂ ኮይኑ ክልተ ነገር የመላኽት። ብቀዳማይ ብርኪ እተን ትካላዊ ዋንነት ንምርግጋፅ ክትግበራ ኣለወን ዝተብሃላ ኣንፈታት ኣስጢምካ ሒዝካ ናይቲ ትካል ስርዓት ምሕደራ ንብረትን ፋይናንስን ብዝርዝር ፈቲሽካ ነተን ጉድለታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዝፍተሐሉ መደብ ኣውፂእካ ምርብራብ ከምዘድሊ ዘመላኽት እንትኮን፤ ብካልኣይ ብርኪ እዚ ስራሕ ብቐፃልነት እንዳተመሓየሸን እንዳማዕበለን ዝተፈለላየ ምህዞ እንዳተወሰኸሉን ክኸይድ ዝግበኦ ጉዳይ ስለዝኾነ ትካላዊ ዋንነት ናይ ምርግጋፅ ስርዓትና ብዘይ ምቁርራፅ እንዳፈተሽካ ምምሕያሽ ዝግበር እዩ። በዚ መሰረት ትካለዊ ዋንነት ተረጋጊፁ ዝበሃል  ኣብ ትካልና ዘሎ ንብረትን ሃፍትን (ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሃፍቲታት) ዉሕስና እንትረኽቡን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰሰኑ እንትኸዱን ብኣግባቡ ክመሓደሩን እንትግበር እዩ። ኣብዚ ሃፍቲ እንትንብል ንብረት፣ ሓይሊሰብ፣ መሽነሪ፣ ህንፃታት፣ ጥረ ኣቑሑ፣ ጥረ ገንዘብ፣ ተኣከብቲን ተኸፈልቲን ሒሳባትን ዝተፈላለዩ ዕዳታትን  ብዃሊእ ወገን ዝተኣታተዉ ሓደሽቲ መምርሕታት፣ ኣሰራርሓታትን ፕሮግራማትን ግልፅን ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ እንትትግበሩ  ብኣግባቡ ንትካል ብዘላቒ ተረባሒ ብዝገብር መልክዑ ክመሓደርን ኣብ ጥቕሚ ክዉዕልን ምግባር እንትክኣል እዩ። ኣብዚ ሕድሕድ ኣመራርሓ ውሳነ ኣብ ምውሳን መምርሒን ኣሰራርሓን ተኸቲልካ ምስራሕ ንበይኑ ካብ ተሓታትነት ዘትረፍ ኣይኮነን ምክንያቱ እቲ ኣመራርሓ እንትውስን ውልቃዊ ዓቅሙን ኣመራርሓ ጥበቡን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ናይ ትካል ጥቅምን ረብሓን ማእኸል ብምግባር ክውሰን ትፅቢት ስለ ዝግበር(Agility)። 
  • 38. 1/23/2023 38 ኣብ ትካላዊ ዋንነት ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያት  ሕድሕድ ሰራሕተኛ ናይ ስራሕ ክፍሉን ሓላፍነቱን ስልጣኑን ብግለፂ የቅምጥ  ግልፂ ዝኾነን ንስራሕ ቅልጥፍና ዝፈጥር ኣወዳድባ ክህሉ ምግባር በዚ ኣቢሉ ድማ ንቲ ስራሕ ብቁዕ ሰብ ምምዳብ  ሕድሕድ ንብረት ኩባንያ ብሓላፍነተን ተሓታትነትን ዝኾነሉ መስርሕ ምዝርጋሕ  ዝተዋደደ ናይ ሓበሬታ ስርዓት ኣብ ኩለን ትካላት ናይ ምትእትታው ከይዲ ምቅልጣፍ  ናይ ኩሎም ሒሳባት ምትዕራቅ ስራሕቲ አጠናኺርካ ምቕፃልን ምፅፋፍን  ብናይ ደገን ውሽጥን ኦዲት ዝተውሃቡ ርእይቶታት ሙሉእ ብሙሉእ ክስተኻኸሉ/ክፍፀሙ ምግባር  መምርሒ ተኸቲልካ ብቑዕ ውሳነ ምውሳን  ምስ ኩነታት ዘይዛባዕ (ኣብ ሕሉፍ ወራር ትግራይ ዘጋጠመ ኽስተት)ዝለዓለ ትካላዊ ዋንነት ምህናፅ  ብተወሳኺ ኣብ ዘይድህሰሱ ሃፍቲታት ከም ትካላዊ መዋቅራት፤ሶፍት ዌራት፤ፕሮግራማት፤ዓበይቲ ዳታ ምንጪ፤ሓደሽቲ ምህዞታትን(patents) ፉሉያት ክእለትን ከም መጠን ናይ ህዝብን ሃገርን ሃፍቲ ከምኡ እውን ትካል ዕዳ ብዘይ ምኽፋል፣ ንሰራሕተኛታት ብዘይኣግባቡ ብምብዝባዝ፣ ናይ መንግስቲ ግቡኣት (ግብርን ውዕላትን) ብእዋኑን ብመሰረት ሕግን ዘይምፍፃም፣ ንዓሚል እምነት ዘስእኑ ተግባራት ብፍላጥ ይኹን ብሸለልትነት ብምፍፃምን ወዘተ ዝበሉ ንናይ ትካል ሽምን(Brand) ስብእናን ካብ ዘጉድፉ ተግባራት ዝረሓቐን ንሕግን ደንብን ኣኸቢሩ ዝሰርሕ ኣብነታዊን ተኣማንን ትካል ብምግባር ንህዝቢ ዘለዎ ወገንተኝነት ምርግጋፅ እንትኽእል እዩ።
  • 39. 1/23/2023 39 3. ናይ ምፍራይ ተኸእሎ ምፍጣር፣ ትካል ዘለዎ ማሽነሪ፣ ናውትን ናይ ሰብ ሓይሊ ብዝበለፀ ኣገባብ ኣዋዲድካን ፀንቒቕካን ብምጥቃም ዝበለፀን ዝበዝሐን ፍርያት ኣፍሪኻ ምሻጥ ምኽኣል እዩ። ትካል ዝሓዞ ማሽነሪ ከመይ ከምዝሰርሕ ብሙሉእነት ተረዲእኻ ብዝለዓለ ዓቕሚ ክንቀሳቅስ ምኽኣል፣ ሙሉእ ናይ ፅገና ዓቕምታት ፈጢርካ ብዘየቋርፅ ክሰርሕ ምግባር፤ ኣብ ገለ ገለ መዳያቱ መስተኻኸልታት ብምግባር ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ንምውሳኽ ዝጥቀመሉ ጥረ ኣቑሑ ንምንካይ ወይ ንምምሕያሽ፣ ዘፍርዮ ዓይነት ፍርያት ንምውሳኽ ወይ ንምቕያር ዝግበር መባእታዊ ናይቲ ማሽነሪ ምምሕያሽ እውን ዝሓውስ፣ ነቲ ናውቲ ናይ ኣንቐሳቂስካ ምስራሕ/ዓቕሚ ምጥራይ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ/ክእለት እዩ። ትካልና ዘድልዮ እታዎታትን መለዋወጥን ብዝበለፀ ፅርየትን ዝሐሸ ዋጋን ንምቕራብ፣ ብናይ ውሽጢ እታዎታትን መለዋወጥን ወይ ድማ ብዝረኸሰን ብዝበለፀን ንምትካእ ናይ ክብሪ ወሰኽ ስራሕቲ ብዕቱብ ብምስራሕ ስሉጥን ዝሓሸ ዋጋ ምሻጥ ፤ ብኻሊእ መዳይ ነዚ ንምግባር ዘኽእል ምስ ኩነታት ዕዳጋ ዝቀያየር ናይ ዕዳጋ ምርካብን ምሻጥን ዘኽእል ዓቕሚ ዘዕቢ እዩ። ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ዘይሩ ዘይሩ ብሰብ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ዝግለፅ እዩ። ነዚ ኣሰራርሓ ዝሕግዙ ፕሮግራማት(ካይዘን፤QMSን ERPን) ዝተመረፁ ስልትታት ተፈቲኖም ውፅኢታዊ ዝኾኑ ብምትግባር ሃፍቲ ትካል ብኣግባቡ ካብ ምምሕዳር ወፃኢ ኣብ ናይ ውድድር መንፈስ ንክንኣቱ ወሰንቲ ጉዳያት ኮይኖም ንዝለዓለ ትካላዊ ዕብየት ዘብፅሕ እዩ።
  • 40. 1/23/2023 40 ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ተፈጢሩ ክበሃል ዝኽእል ብትኽክክል እቲ ምህርቲ ብዝተሓተ ወፃኢ ወይ ፅሬት(ዝለዓለ ክብሪ)ፈሪዩ ኣብ ዕዳጋ ተጠላቢ እንትኾንን በዚ ኣቢልካ ድማ ትካል ዝሓንፀፆም ሸቶታትን ዕላማታትን ምስዃዕ እንትከኣልን ጥራሕ እዩ። ምፍራይ ተኽእሎ ማለት ናይ ቁፅሪ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ሕልና ፅዋታ ምዃኑን ካብ ናይ ደቂ ሰባት ለዉጢ፣ ዉፅኢት ዝብል ኣብ ርእሶም ብዝፍጠር ኣመለኻኽታ ዝለዓልን ኩሉ ግዜ ካብ ትማሊ ብኣንፃር  ውፅኢታዊ(Efficiency) ማለት ሓደ ስራሕ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ኣብ ዘሎ ከይዲ ወፃኢ ቆጣቢ ብዝኾነ መንገዲ ምፍፃም እንትኾን ወፃኢ ምቕናስ ማለት ድማ ሓይሊ ሰብ ፣ግዜ፣ ጥረኣቑሑ ብዝቑጥብ፣ ዉሑድ መሳርሕታት ብምጥቃም፣ ክንክን መሳርሒታት ብምግባር ናይ ፅገና ወፃኢ ብምቕናስ፣ ዝሓሹን ዝተመሓየሹን ኣሰራርሓታትን ቴክኒካትን ብምትእትታዉ ግዜን ጉልበትን ብምቕናስን ብርኪ ፅሬት ብምዕባይን ወዘተ ኣቢልካ ክግለፅ ዝኽእል እዩ።  ኣብነት ፦1+2=5=input< output/cost “Dematerialization” refers to the process of declining consumption of material and energy per unit of a product delivered. That makes economic sense, since spending less on inputs can swell profit margins and make outputs cheaper and, therefore, more competitive.  ምስኻዕ(Effectiveness) ማለት ሓደ ትካል ብዝፈፀሞም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብዝተቀመጠሎም መርሃ ግብሪ መሰረት ኣብ መወዳእታ ዝተቀረፁ ዕላማታትን ሸቶታትን ምስኻዕ ምኽኣል እዩ።ትልሚ ብኣንፃር ኣፈፃፅማ
  • 41. 1/23/2023 41  ናይ ኣመራርሓ ኣካላት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትዓቢ ፦ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትለዓል ናይ ኣመራርሓ ብፂሒት እቲ ዝዓበየ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ኣመራርሓ ማለት ቀንዲ ቀላሲ(መዘውር) ናይቲ ትካል ዕውትነት ኮይኑ እንትርከብ እዩ። ስለ ዝኾነ ኣመራርሓ ኣካላት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ንምዕባይ ናይ ትካል ሃፍቲ (ሓይሊሰብ፣ መሽን፣ ፋይናንስ፣ ሽም) ወዘተ ብኣግባቡን ብዝተዋደደን መልክዑ ንከመሓድር ዘይሕለል ኣስተዋፅኦ ብምግባርን ብዓርሰ ተበግሶ ዝነጥፉ ውፍያትን ተዓፃፀፍትን መራሕቲ ምስ እንትፍጠሩ ኣብ ናይ ትካል ቀፃሊ ናይ ምዉድዳር ዓቕሚ ክፈጥር ናብ ዘኸእሎ ብርኪ እንትበፅሕ እዩ።  ናይ ሰራሕተኛ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ እንትዛይድ ፦ሰራሕተኛታት ዘለዎም ናይ ክእለት፣ ፍልጠት፣ ኣመለዃኽታ ክፍተት ብምፅናዕን ብምምማይን ፀገም መፍረያይነቶም ክፈትሕ ዝኽእል ዝተፀንዐ ናይ ደገን ዉሽጢን ስልጠናታት ፕሮግራም ምቕራፅን ምስ ኣብ ከባቢ ዘለዋ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ድማ ሓቢርና ብምስራሕ ዝመፀ ለውጢ ተዓቂኑ እንትግምገም።  ቐረብ ጥረ ኣቑሑ እንትዓቢ፦ ናይ ንብረት ቁፅፅር ስርዓት ምጥንኻር፣ ስታንዳርድ እንጥቀመሎም ኣቑሑት ምንፃርን ፣ ምስ መቕረብቲ ኣካላት ስጡም ርክብ ብምፍጣር ብፅሬትን ብዋጋን ተወዳዳሪ ዝኾነ ዘላቕነት ዘለዎ ዕድጋ ክህሊ ምግባር፣ ክንዲ ዝከኣል ተኣመንትን ዓቅሚ ዘለዎም መቅረብቲ ብምሕራይ ውዕሊ ብምእሳር ካብ ውሕድ ላይን ኣይተም(Small quantities) ዕደጋ ብምዉጋድ ብበልክ(in bulk) ንከግዝኡ ምትብባዕን ከም መስርሕ ምኸታልን፣ ኣብ ከይዲ ንድፊ ይኹን ከይዲ ምህርቲ ዝፍጠሩ ብኽነታትን ተረፈ ምህርቲ ናብ ክዉገድ ዘይኽእል(Circular Economy) ብርኪ ምብፃሕ ወዘተ ዝበሉ ከይዲታት ተጠናኺሮም ኣብ ምቅፃል እንትርኣዩ።
  • 42. 1/23/2023 42 ሽቶ 1. ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምህናፅ ዝካተቱ ቀንዲ ስራሕቲ  ዒላማ 1፡ ስርዓት ቀረብ እታወታት ምጥንኻር (Supply Chain)፡- ስራሕቲ ዕድጊት ብዓይነት (ስሩዕን ዕደጋን ናይ ዳግመ ህንፀት ዕደጋን ብምፍላይ)፣ ጥረ ኣቁሑን መለዋወጢ ኣቑሑትን፣ ኣብ ኩሎም መጠን በብእዋኑ ምቅማጥ፤  ዒላማ 2፡ ዓቕሚ ፅገና ምዕባይ፡- ድልውነትን ኣጠቓቕማን ማሽን፤ ብኩናት ዝተበላሸው ማሽናትን መሳርሕታትን ምፅጋን ወይ ሞደፊክ ምስራሕን ብኸፋል ዝተበላሸው ማሽናትን መሳርሒታትን ምፅጋን ወይ ሞደፊክ ምስራሕን ብኸፋል ምትካእን፤  ዒላማ 3፡ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርቲ፡- ካብ እታወታት ጀሚሩ ዘሎ ቁፅፅር ፅሬት ፍርያት፤  ዒላማ4፡ መፍርይ ወፃኢታት ምቕናስ፡- ሜላታት ምቕናስ መፍረይን ምም/ራውን ወፃኢታትን ቁፅፅር ብኸነትን፣ ንፅፅር ወፃኢታት ምስ መሸጣ ምምሕያሽን፤  ዒላማ 5፣ ዓቕሚ ምሕደራ ስቶክ (ፍርያት) ምምሕያሽ፡- ምሕደራ መረዳእታ ፣ ክህሉ ዝግበኦ መጠን፣ ኣብ ምብዛሕን ምቕናስን ዝውሰዱ ስጉምትታትን፤  ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕቲ፤ ሽቶ 2. እቶት ምዕባይ ዝካተቱ ቀንዲ ስራሕቲ  ዒላማ 1፡ ስራሕቲ ዕደጋ (Marketing) ምጥንኻር፡- ሽፋን ዕደጋ ምስፋሕ፣ ሓዱሽ ዕደጋ ምፍጣር፣ ሓድሽ ፍርያት ምትእትታው፣ ምህርቲ ምልላይ፣ ብፅሒት ዕደጋ፣ ፅንዓት ዕደጋ ምክያድ ወዘተ፤  ዒላማ 2፡ ስርዓት ምክፍፋል ምህርትን ግልጋሎትን  ዒላማ 3፡ ዕብየት ዓማዊል ምምሕያሽ ምውሳኸ ሓደሽቲ ዓማዊል ፣ ምዕቃብ ዓማዊል ዓዲ ውሽጢ ወይ ወፃኢ  ዒላማ 4፡ ዓቕሚ መሸጣ ምዕባይ (Sales capacity Options)፡- ኣማረፂታት መሸጣ (ኣብነት ልቓሕ መሸጣ)፣ መሸጢ ማእኸላት ምስፋሕ፣ ምምሕያሽ ዋጋ ፍርያት ፣ሰደድ ወፃኢ ዕደጋ፣ ወዘተ፤
  • 43. 1/23/2023 43 4. ናይ ኢንቨስትምንት ተኸእሎ ምፍጣር እዚ ብሙሉእነት ዝተፀንዐ በቢግዚኡ ዝኽለስን ቡዙሕ ናይ ኢንቨስትመንት መማረፅታት ዝሸፈነን ከከም ኣድላይነቱ እናተመረፀ ናብ ኢንቨስትመንት ክሰጋገር ምግባርን በዚ ኣቢልካ ድማ ዓቕሚ ኣመራርሓ ብኩለመዳይ ክዓቢ ምስራሕ የድሊ። ንኣብነት ናይ መዋፃኣይነት ፅንዓት ተፀኒዑ ሓዱሽ ትካል ንምጥያሽ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን እቲ ቀፂሉ ዝመፅእ ነገር ነቲ ዝድለ ፍርያት ንምፍራይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ምልላይን ምምራፅን እዩ። ቴክኖሎጂ ናይ ምልላይን ምምራፅን ስራሕ ንምስራሕ ገፊሕ ናይ ቴክኖሎጂታት ሓበሬታ ዝርከበሉ ማእኸል ምንጪ ምፍጣርን ሓበሬታ ምስ ዝርከበሎም ምንጭታት ርክብ ምፍጣር የድሊ።እዚ እንታይ ዓይነት መማረፂ ቴክኖሎጂታት ብምንታይ ዓይነት ዋጋ ከም ዘሎ ንምፍላጥ መባእታዊ ገምጋም ንምክያድ ይሕግዝ። ድሕሪ እዚ ናይ ኢንቨስትመንት ውሳነ እንትውሰን ብቑዕ ቴክኖሎጂ ብዝረኸሰ ዋጋ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዝርከበሉ ካብዚ ክንድዝተኽኣለ ብናይ ውሽጢ ዓቕሚ ዝስረሐሉን ነዚ ዝኸውን ዝተወደበ ዓቕሚ ምፍጣር ብቐፃልነት ምምሕያሽን። ኣብዚ ናይ ኢንቨስትመንት ዓቅሚ ተፈጢሩ ዝበሃል  ነቲ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ዘንቐሳቅሱ ብውሽጢ ዓቅሚ ወይ ብናይ ደገ ኪአላ ኣሰልጣኒ ተወዲቡ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ እንትህሉ እንትኸውን ብኻሊእ መዳይ ኣብ ፕሮጀክት ምምሕዳር ጥበብ እንትፍጠርን ንፕሮጀክት መመሓደርቲ ዘሰልጥንን ዝቆፃፀርን ዓቅሚ ዝወነነ ኣመራርሓ ክህሉ እንተተገይሩ እዩ። ኣብ ናይ መረዳእታ ኣተሓሕዛ ድማ ሰፊሕ ናይ ቴክኖለጂ ፋይላት መማረፅቲ ሓሳባት ተሰኒዱ እንትትሓዝ እዩ።
  • 44. 1/23/2023 44 5 ተዋዲድኻ/ተኣሳሲርካ ምስራሕ /Synergy/ ትካልና ዘለዎ ሃፍቲን ሞያን ብምውዳድ ምስ ውሽጣዊን ካልኦት ደጋዊ ተመሳሰልቲ ትካላትን ብምዉዳድን ሓቢርካ ብምስራሕን ዝርከብ ክልተኣዊ ረብሓ ዘለዎ ምትእስሳር እዩ። እዙይ ንምዕዋት ዘለካ ሃፍትን ዓቕሚን ብምዉዳድ ፣ ኣብ ዉሽጢ ትካል መምርሒ ምስ መምርሒ ፤ ክፍሊ ምስ ክፍሊ ብምቅንጃው ሓባራዊ እቶት ናይ ምድንፋዕ ክስራሕ ከምዘለዎን ከምኡ እውን ምስ ኣሓት ትካላት፣ ምስ ከባቢ ሕብረተሰብ ፣ ምስ ዩኒቨርስትታት ፣ ምስ ከባቢ ምምሕዳራትን መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተሓጋጊዝካ ምስራሕ እዩ ።
  • 45. 1/23/2023** 45 ከም ንህቢ ንሓደ ልእኹን ዕላማን ዝወፍር ልምዓታዊ ሰራዊት ተዋዲድኻ ምስራሕ( ዘለካ ሃፍትን ዓቅምን ምስ ውሽጣዊን ደጋዊን ኣካላት ምውዳድ) ኢንቨስትመንት ተኽእሎ(ነዚ መበገሲ ዝኸውን ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ዓቕሚ እዩ፣ ብሙሉእነት ናይ መዋፃኣይ ፅንዓታት ምትግባር) ምፍራይ ተኽእሎ(ማሽነሪን ናውቲን ምስ ሓይሊ ሰብኻ ምውዳድ፣ካይዘንን ናይ ማሽን ፅገና ዓቅሚ ምዕባይ) ትካላዊ ዋንነት ምርግጋፅ (ኣሰራርሓ፣ስርዓት ምሕደራን ኣወዳድባን ከከም ስራሕ ባህሪኡ እንዳጠናኸርካ ምኻድ) ልምዓታዊ ኢንዳስትሪያላዊ ሰራዊት ምህናፅ (ኣብ ናይ ትካል ተልእኾ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር-ብኣረኣእይኡን ኣተሓሳስብኡን ፍልጠቱን) መጠቃለሊ ምትእስሳር ዓንድታት
  • 46. 46